Print this page

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ፈላምን ምትሕንፋጻውን ጕባኤኡ ኣካይዱ

2019-10-03 19:24:33 Written by  Published in EPDP News Read 4191 times
Rate this item
(0 votes)

ብ2 ጥቅምቲ 2019 ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ፈላምን ምትሕንፋጻውን ጕባኤኡ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ጸጋይ ተስፋይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሰልፊን ኵነታት ኤርትራውያንን ኣብ እስራኤል ኣመልኪቱ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ብድሕር’ዚ፡ ሓው መብራህቱ ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ሓባራውን ጕባኤ ኣንቢቡ። ቀጺሊ ሓው ገብረሂወት መለስ ብክፍሊ ዜና ዝተዳለወ፡ ንራእን ግስጋሰን ሰልፍና ቅርጽታቱን ዝምልከት ሓተታ እናበበ መብርሂታት ሂቡሉ።

ኣብ መወዳእታ ሓው ጸጋይ ተስፋይ ብቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጕዳያት ዝተመሓላለፈ መምርሒ መብርሂታት ብምሃብ፡ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት 3 ቀወምትን 2 ተጣባበቕትን ዘለዉዋ መሪሕነት ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ንሳቶም ከኣ፡-

  1. ሓው ኣድሓኖም ንጉሰ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር፤
  2. ሓው መድሃኔ ጠዓመ፡ ዋና ጽሓፊ
  3. ሓው ደስበለ ብርሃነ፡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ
  4. ሓው ፍስሃጽዮን ኣብርሃም፡ ተጠባባቒ
  5. ሓው ኣብርሃ ግርማይ፡ ተጠባባቒ
Last modified on Thursday, 03 October 2019 21:27