Print this page

ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዋዕል ንቕሎ ኣዴታት

2019-08-23 23:33:26 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2486 times
Rate this item
(0 votes)

ክቡራት መራሕቲ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት

ክቡራት ኣዳለውቲ ዋዕላ ኣዴታት ኣብ ፍራንክፈርት

ክቡራትን ክቡራንን መራሕቲ ፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን

ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ ብሓበራ

ኣቐዲመ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዝተገብረልና ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ እናገለጽኩ፡ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ናይ ምድምማጽን ሕድሕድ ምርድዳእን መንፈስ ዝሰፈኖን ነቲ በብኣንፉ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጥርናፍ ምቅንስቓሳት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምብጻሕ ደራኺ ግደ ዝጻወትን ክኸውን እትስፎ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ዝርከብዎ ዋዕላ ተኻይዱ፡ በቲ ንዅልና ዘሰማምዕ ከም ምሕላው ልዑላውነት፡ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ኤርትራን ምቛም ብግዝኣተ-ሕግን ብቕዋምን ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝብሉ መሰረታውያን ነጥብታት ተሰማሚዕና ብልፍንቲ ተዋሃሂድና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንሰርሕ ከምዝግብኣና ይኣምን። ካብ’ዚ ሓሊፉ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድባት ብፕርግራም ይኹን ብተግባር ፍልልይ ከምዘይብሎም እንተደኣ ኣሚኖም ክጸናበሩን ሓደ ውድብ ወይ ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ከምዝኽእሉ ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተጸውዐ ዋዕላታት ተሳቲፉ። ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ድማ፡ ተዋሃሂዱ ንምስራሕ ክዋሳእ ጸኒሑ። ሰዲህኤ፡ ኣብ ዋዕላ መድረኽ ኣብ ናይሮቢ፡ ኣብ ዋዕላ ኣትላንታ፡ ኣብ ዋዕላ ሚኒሶታ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ኣብ ፍራንክፈርት ብክብ ዝበለ ደረጃ ምስታፉ መርኣያ ናይ’ቲ ሓቢርካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ ዘለዎ ድሌትን ባህግን ኢዩ።

ኣብ’ቲ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ማለት ካብ 22 ክሳብ 23 ሰነ 2019 ብመስተንግዶ መኣዲ ዘተ ናይ ተምፖ-ኣፍሪክ  ኣብ ሚኒሶታ እተገብረ ዋዕላ ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ይመስል።

1.   ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓርን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፣ ጻዕርታትና ክነወሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን፤

2.   ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓታት ሕድሕድና ንምትሕግጋዝ ኣወንታዊ ተግባራዊ ስጉምታት ክንወስድ፤

3.   ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትና ክነዋሃህድን ሓባራዊ ጽዕርታት ክነካይድን፤

4.   ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራን) ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ፣ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ፣ ኣብ ሕድሕድና ብምውህሃድ ወይ ብልፍንቲ ስሙር ኤርትራዊ ተቓውሞ ንምፍጣር ክንሰርሕ፤

5.   ሰናይ ጉርብትና ምስ ኩሎም ጎሮባብቲ ኤርትራ ንድግፍ፣ ይኹን እምበር፣ እዚ ሞራላዊን ሕጋውን ቅቡልነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ወይ ኣካላት ዝኣትዎም ኩሎም ውዑላት ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነት ስለ ዝግህሱ ብትሪ ንኹንን፤

6.   ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ አካል ጭቁን ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኖም እምነትና ብምዃኑ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱን ንጽውዕ፤

7.   ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ምስግጋር ከቢድን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ፣ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓባራዊ መሰጋገሪ ቻርተር ንምስንዳእን ንምትግባርን ብዕቱብ ክንሰርሕ ተሰማሚዕና፤

8.   ነዚ ስምምዕ ናይ ዝኸተሙ ኣካላት ወከልቲ ዝሳተፍዎ ናይ ትግባረ ፎረም ንምቛም ተሰማሚዕና፤ ከምኡውን

9.   ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቕበሉን ኣብ ናይ ትግባረ ፎረም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን ብኽብሪ ንዕድም።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2019፡ ኣብ ቪዝ ባደን፡ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፡ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ሰሚሮም ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ከምዝበቕዑ ከበስር ከለኹ ደስ ይብለኒ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንምምስራት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዕቱብ ልዝብ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም ድማ ባህግን ድሌትን ክልቲኡ ውድባት ምዃኑ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ ምስ’ቲ 4 ውድባት ዘቖምዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ብልፍንቲ ንምስራሕ ኣፈናዊ ልዝብ ጀሚርና ኣሎና።

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰዲህኤ፡ ከምተዓዛቢ ተኻፊሉ። ኣብ ቪዝባደን ኣብ ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ድማ ኤሃባደለ ከም ተዓባዚ ተኻፊሉ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝላዘብን ንዕርቂ ዝሰርሕን ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ከምዝቖመን፡ ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ዶር መሓመድ በሺር፡ ንሰልፍና ክራኸብ ቅሩብነቱ ዝገልጽ መልእኽቲ ድሮ ሰዲዱልናስ፡ ንሕና እውን ድሕሪ ምዝዛም ጕባኤና ክንራኸብ ቅሩባት ምህላውና መሊስናሉ ኣሎና።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ኣብ ትሕቲ “ይኣክል” ዝብል መርሆ ተላዓዒሉ ዘሎ ንስርዓት ኢሳያስ ዘርዓደን ዘጃጀወን ህዝባዊ ምልዕዓል ሰዲህኤ ደጋፊኡ ምዃኑ እናገለጸ፡ ካብኡ ዝጥለብ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ከወፊ ድልዊ ምህላዉ ክረጋግጸልኩም እፈቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምጥርናፋትን ተማላላእትን ተደጋገፍትን ደኣ’ምበር መቓናቕንቲ ሕድሕድ ከምዘይኰኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። ስለዝዀኑ ድማ ተረዳዲኦምን ተደጋጊፎምን ክሰርሑ ንጽውዕ። ዕላማና፡ ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝለዓል ብምግባር ስርዓት ኢሳያስ ኣዉዲቕካ ስልጣን ንዋንኡ ዝዀነ ህዝቢ ምርካብ ኢዩ።

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!!!

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

23-25 ነሓሰ 2019 ፍራንክፈርት

Last modified on Saturday, 24 August 2019 01:41