ኣብ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን  ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝመርሖ ልኡክ ተሳቲፉ

2019-07-30 06:44:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2144 times

ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጻይ ነጋሽ ዑስማን ምስ ብጻይ ባህታ ሃዝለማርዛምን ዓብደልዓዚዝ ሳልሕን ኣብ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ተረኪቡ መግለጺ ኣቕሪቡ። ብጻይ ነጋሽ ዑስማኣን ኣብ መእተዊ ዘረብኡ፡ ኣብዚ ጉባኤዚ ምስታፉ ምስ ብዙሓት ዘኽብሮምን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ምርኻቡ ከምዘሔጎሶ ድሕሪ ምሕባር፡ ሓድነታዊ ጉባኤ ክዕወትን  ምንዮቱ ገሊጹ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ካልኣይ ጉባኤኡ ንጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ኣዕዚዙ ከምዝርእዮን በዚ መሰረት ምስኩለን ኣብ ባይቶ ምስዘየለዋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምዝታይን ንምርካብን ኣብ ሰክረታርያ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ተፈልይሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።  ድሮምን ናብ ሰዲህኤ ዝተላኣከ ደብዳበ ምህላዉን ምስ ካላኦት ሓይልታትውን ርክብ ከምዝተገብረን ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ እንተኮነውን ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ንስኒትን ልዝብን ውህደትን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝሰርዐ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

News Item 30.07 Ghebrekidan

ኣስዒቡ፡ ብጻይ ገብረኪዳን ገብረዝጊ ዝመርሖ ብጻይ ክብራኣብ ምስግና ዘለዎ ልኡኽ ኣርባዕተ ውድባት‘ውን ኣብዚ ጉባኣኤዚ ተረኺቡ ናይ ደገፍ መግለጺ ኣቅሪቦም። መግለጺ ብጻይ ገብረኪዳን ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ፍሉይ ጨካን ኣረሜናውን ባርባርያውን ግፍዕን ዓመጽን፡ ንፍልሰት ህዝብና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ሓይልን ሃብትን ሃገርና ዝኮነ መንእሰይ ብምድራግ፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ሕሳባቱ ክብል ህልውና ሃገር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘውደቐ ኲነታት ይፍጠር ምህላዉ ጠቂሱ።  ሳላሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ክልተ ኣሓት ውድባት ሓደ ካብቲ መድረኽ  ዝሓቶ እዋናዊ ናይ ስምረት ጉዕዞን ሓደ ስጉምቲ ቅድሚት ብምዃኑ ቀጻልነቱ ንምዕቃብ ኣበርቲዕካ ክስራሓሉ  ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ።

News Item 30.07 Secretari

ጉባኤ ዕዱማት ኣጋይሽ ድሕሪ ምፍናው ስራሓቱ ብምቕጻል፣ ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዕማማቱ፡ ሓንቲ ሸውዓተ ዝኣባላታ ሰክርታርያ ጉባኤ መሪጹ፡ ነቲ ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ተጻፊፉ ናብ መላእ ኣባላት ወሪዱ ኣገዳሲ ምሕያሻት ዝተገብረሉን ብሓደስቲ ሓሳባት ዝሃብተመን ንድፊ ቅዋም  ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝታይ፡ ዘድሊ ምምሕያሳት ገይሩ፡ ኣብ ተመኩሮ ካብ ዝተራእየ ሓደስቲ ሓሳባት ብምውሳኽ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቁ ናይቲ ማዓልቲ ዕማማት ዛዚሙ። 

Last modified on Tuesday, 30 July 2019 08:58