Print this page

ናይ ሓባር ኣኼባ ኣባላት ሃድኤ-ሕድሪን ሰዲህኤን

2019-06-02 08:26:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2933 times
Rate this item
(0 votes)

ኣኼባ ኣባላት ክልተ ውድባትና፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ብ1 ሰነ 2019 ተኻይዱ። ኣብ መእተዊ እዚ ኣኼባ ኣቦ-መንበራት ክልቲኡ ውድባት ብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገ/መድህንን፡ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ናይ ሓድነት ኣድላይነት ዝምልከት ሓጺር ቃልን ኣቕሪቦም። ድሕሪ’ዚ ኣኼባ ናብቲ ኣቐዲሙ ናብ ኩሎም ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኣትዩ። ኣጀንዳ እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ዛዕባታት ነይሩ።

  1. ኣጀማምራን ኣመዓባብላን ርክብ ክልቲኡ ውድባት፡
  2. ንሓባራዊ ጕባኤ ተገይሩ ዘሎ ምድላዋትን
  3. ድሕሪ ጕባኤ ዝጽበየና ቃልስን ዕማምን።

በዚ መሰረት ነቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ብዝምልከት፡ ብናይታ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ንመስርሕ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ዝምልከት ምቅርራብ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ናይ ሓባር ናይ ዘተ/ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)ን ጸሓፊኣ ብጻይ ብርሃነ ደበሱን እቲ መስርሕ ከመይ ከም ዝተጀመረ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝነበረ ብድሆታትን ዝተሰግረሉ ኣገባባትን ሕጂ መጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቑን መብርሂ ተዋሂቡ። በቲ ዝተዋህበ መብርሂ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ’ቲ ክድህሰስ ዝግበኦ ዛዕባታት ተመዚኑ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ተበጺሑ ከም ዘሎ ተመልኪቱ።

ኣደመንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራን ምክትል ሽማግለ ብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤን ከኣ መስርሕ ምድላው ዕዉት ጉባአ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ናይ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ዝርዝር ስረሓትን ተበጺሑ ዘሎ ደርጃን ኣነጺሮም። ኣብ መግለጺኦም ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ዘበርክትዎ ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ወፈያን ኣበርክቶን ዝነኣድን ዘተባብዕን ምዃኑ ጠቒሶም። ንቐረብ (ሎጂስቲክ) ጉባአ ዝምልከት ዝርዝር እውን ሓቢሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምድላው ሰነዳት ዳርጋ ከም ዝተወደአን መስርሕ ምርጫ ተሳተፍቲ ጉባአ’ውን ይገማገም ከም ዘሎን ገሊጾም።

ኣቦመንበራት ክልቲኡ ውድባት ከኣ ነቲ ብሳልሳይ ደረጃ ተታሒዙ ዘሎ ኣጀንዳ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ መስርሕ ሓድነት ኣብ ምጽንባር እዚ ክልተ ውድባት ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ማዕባሊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ጉባአ እውን ንዝሰፍሐ ሓድነት እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጸገማትን ብደሆታትን ከጋጥምን’ኳ ንቡር እንተኾነ፡ እቲ መፍትሒ ንጸገማት ብመትከላዊ እምንቶ፡ ጽንዓትን ምክእኣልን ምግጣሙ ምዃኑ ብሰፊሑ ገሊጾም። ግደ እዚ ዝሰምር ዘሎ ሓይልታት ኣብ ምዕዋት እቲ ተስፋ ህዝብና ኣለምሊሙ ዘሎ ናይ ለውጢ ንቕሎ “ይኣክል” እንታይ ክመስል ከም ዝግበኦ’ውን ኣመልኪቶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ብዝከኣል መጠን መንእሰይ ኣብ መሪሕነት ግደኡ ዝፍጽመሉ መድረኽ ምጥጣሕ ከም ዕማም ክተሓዝ ከም ዝግበኦ በቶም ኣቦመንበራት ተጠቒሱ።

ኣቦመንበር ሓጻይት ሽማግለ ብጻይ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ እውን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ መስርሕ ምሕጻይ ንኣባላት መሪሕነት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርህን ኩሎም ኣባላት ኣብቲ ተመዲብሎም ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ሕጹያቶም ከቕርቡን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ድሕርዚ ሰፋሕቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብቑዕ መልስታት ከኣ ተዋሂብዎም። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ መስርዕ መስርሕ ሓድነት ተሰሊፎም ኣድላይ ምድላዋት ኣጻፊፎም ንዘለዉ ኣካላት ኣመጒሶም ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ ከወፍዩ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ውጽኢት ሓድነት ብመንጽር ህዝብን ሃገርን እምበር ብጸቢብ ውድባዊ መዕቀንታት ክረአ ከምዘይግባእ እውን እቶም ርኢቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ ኣነጺሮም።

Last modified on Sunday, 02 June 2019 10:31