Print this page

ተዘከሪ 26 ሚያዝያ 1992

2019-04-26 17:40:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 15301 times
Rate this item
(1 Vote)

ደቂ ሰባት ኣብ ህይወቶምን ዕለታዊ ተመኩሮኦምን ክርስዕዎም ኮነ ክገድፍዎም ዘይኽእሉ ኣብ ኣእምሮኦም ዝተቐርጹ ሃይማኖታዊ፡ ልምዳውን ሃገራውን ናይ ሓጎስን ደስታን ዕለታት ኣለዉዎም። ብኣንጻሩ ባህርያውን ሰብ ዝፈጥሮምን ናይ ሕሰምን ስቓይን ዕለታት ድማ ኣለዉ። ገለ መዓልታትን ዕለታትን ከኣ ክልቲኡ ተረኽቦታት ሓጎስን ፍሳሃን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ በቲ ካልእ ድማ ስቓይን መከራን ዝበራረይሉ ምህላዎም ህዝቢ ዓለም ዘነብሮ ዘሎ እዩ።

ንሎሚ ኣብ ተመኩሮ ናይ ቃልሲ ዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ሓንቲ ካብተን ብሃይማኖታዊ እምነት በዓለ ትንሳኤ ዝተኸብረላ ናይ ሓጎስ ማዓልቲ ክትከውን ከላ፣ኣብ ኤርትራዊ መዳይ  ሰብ ብዝፈጠሮ ግብረ ሽበራ፤ ሓዘንን ጓህን ዝተራእዩላ ዕለት ምንባራ ክንጠቕስ እንከለና ንምዝኽኻር እምበር፡ ብዓለም ደረጃ እውን ልደት መዓልቲ እቲ ብሱናሚ ዝፍለጥ ባህሪያዊ ሽግር ዝጥፍኦ ህዝቢ ኤስያን ንብጽሖት ዝኸዱ ግያሾን መርኣያ ናይቲ ጽቡቕን ሕማቕን ዝፈራረቐሉ ማዓልታት ኣብነት እዩ። ዓለምና ድማ ብተጻረርቲ ነገራት ዝቆመት ምዃና ንምርዳእ ዘጸግም’ኳ እንተዘይኮነ፡ ነፍሰ-ይምሓር ኣብራሃም ኣፈወርቂ ዝተባህለ ህቡብ ኤርትራዊ ሙዚቐኛውን “ ነቲ ሕሱም ዝጣዓመ ኣለዎ፡ ነቲ ማዓር ዝመረረ ኣለዎ ----- “ ክብል ብዝቐለለ መረዳእታ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ብቃልስን፡ ጽንዓትን ጽሮትን ክቅየር ከምዝግባእ ገሊጽዎ ነይሩ።  

ዕለት 26 ሚያዝያ 1992 ስድራ-ቤታትን፡ ፈተውትን፡ መቕርብን በዓለ ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ንምኽባር ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኻኺቡ ብታሕጓስ ክስሕቕን ከውግዕን ዝዋዓለሉ ማዓልቲ ኮይኑ፡ እዚ ክሳብ ለይተ-ሎሚ ግዝያዊ ዝመለለይኡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣረሜናዊ ጨቛኒ ስርዓትን መጋበርያታቱን ግን፡ ነዚ ሃይማኖታዊ በዓል ናይ ቅጽያ መደባቶም ንምዕዋት ከምጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብዘጻወድዎ መፈንጠራ ክልተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ብጾት ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ካብ ከሰላ ሱዳን ብምጭዋይ ነቲ ሓጎስ ናብ ጓህን ሕሰምን ዝቐየርላ ዕለት እያ። እዞም ክልተ ብጾት እዚኣቶም ኣባላት ፈጻሚ ሽምግለ ናይ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኖም ዲሞክራስያዊ ብዙሕነትን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ክቐውም  ኣንጊሆም ካብ ዝጸውዑ ተቓለስቲ ብምዃኖምን ምንባሮን ጥራሕ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዝፈጸምዎ ውልቃዊ ኮነ ውድባዊ ኣበሳ ኣይነበሮምን። ብሰንኪዚ ቅዱስን ቅኑዕን ናይ ቃልሲ ምርጭኦምን ዕላማኦምን ድማ ክሳብ ለይተ ሎሚ ን27 ዓመታት ዝኣክል መንጠቢኦምን ሃለዋቶም ዝፈልጥ ሰብ ዋላ ሓደ የለን። “ ሕግን ዲምክራስያዊ ምሕደራን ንኤርትራ” ዝብል ጸዋዒቶም ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ስለዘይከኣለ ድማዩ፡ ህዝብናን ሃገርናን ኣብዚ ሕጂ ወዲቐምዎ  ዘለዉ  ህሞት በጺሖም ዘለዉ።

27 ዓመታት ህጻን ተወሊዱ ዓብዩስ፣ ናብርኡ ሰሪዑ ዝወልደሉን ዝዝምደሉን ወርቃዊ ዓመታት ናይ ወዲ ሰብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ስድራቤታት ዝብተነሉ፡ ሓባራዊ ናብራ ዝባሃል ሕልሚ ዝኾነሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ዝተንጠልጠለሉ መዋእል ኢና ዘለና። 27 ናይ ጭቆንን ምልክን ዓመታት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ሕሰም ምቅልዑ፡ ሎሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራን ቤት-ቆጸረን ስለ ዝበጽሐ ኩሉ ዝዛረበሉን ዝሳቐየሉንኳ ይኹን እምበር፡ ከምኒ ስድራታት ብጻይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ዝኣመሰሉ ግን ፖለቲካዊ ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ስርዓት ዝወርዶም ማሕበራውን ስነ-ኣምራውን ማህሰይትታ ሓለፋ ኣለዎ።

ጊላይ ወልደማርያም፡ ወላዲኡ ወልደማርያም ባህልቢ ክጭወ እንከሎ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናጽላ እዩ ነይሩ፡ 27 ዓመታት ሕቁፊ ወላዲኡ ከይጠዓመ ዘኽቲሙ ክዓቢ፡ እንትርፎ ተጨውዩ፡ ሃለዋቱ ኮነ ዳሃዩ ሓቲቱ ክረኽበሉ ኣብዘይክእለሉ ኲነታት ክዓቢ እንከሎ፡ ብዘይካቲ ነዚ ኣራዊታዊ ተግባራት ዝፈጸመ ዲክታቶር፣ ካልእ ፍጡር ወዲ ኣዳም ዝቕበሎ ከምዘየለ ፍሉጥ እዩ። ዋላ እቶም መሲልዎም ኣብቲ እዋንቲ “ሕራይ ገበሮም” ዝበሉ ዝነበሩ እውን፡ ኣደራዕ ምልኪ ኣብ ውልቀ ሰባት ጥራሕ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ተገንዚቦም “ከምዚ ይመሰለና ኣይነበረን” ክብሉን ኣብ ቃልሲ ክስርዑን ምኽኣሎም ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኩልኻ ንነገራት ብሓደ ስለዘይትበጽሖምን ጠቅምታትካ እውን ስለዝፈላለን ንጉዳያት በብእዋኑ ክትግንዘቦም ልሙድ ስለ ዝኾነን’ዩ።

ናይ ሎሚ ምልካዊ ስርዓት፡ ኩሉ እኩይ ተግባራቱ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ስድራታት እንዳፈላለየን ኣብ ውሽጦም ብዝዘራኦ ናይዘይምትእምማን እሾኽ ዘሪኡ እንዳኣገረሀ እዩ ንዜጋታት ክጨውን ክቐትልን ጸኒሑን ዘሎን። ንገለ ብርክት ዝበሉ ተሓባበርቲ ገበናቱ ክገብሮም ከሎ፡ ፖለቲካዊ ጉዳያት ካብ ሕውነትን ማሕበራዊ ጉዳያት ፈላለዮም ብምርኣይ ዝነጸጉ ብምብዝሑ ድማዩ ኣብ ልዕሊ ተቓወምትና ዝብሎም ዝሃቀኖ ብዙሕ ካብ ናይ ጥፍኣት ፈተነታቱ ዝመክን ዝነበረ። መጭወይቲ ብጻይ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ምስ ብትሕብባር ናይ መቅርብ ዝተፈጸመ እዩ።  ቀቅድሚዚ እውን ሓደ ርእሶም ዝተባህለ ተጋዳላይ ተ.ሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ መራሕ መኪና፡ ክበጽሖ ኣብ ዝኸዶ ናይ ቀረባ ስድራ-ቤቱ ገዛ እንከሎ አዐንዚዞም፡ ከይተፈለጦ ተሰነይ ምብጽሑ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ናይ ስድራ ምትሕብባራት እዩ። ከምቲ ንድሕነት ተቓለስቲ ክብሉ “እምቢ ኣብ መደባትኩም ኣይንኣቱን” ዝበሉ ኣስተውዓልቲ ዜጋታት፡ ንድሕነቶም ክንብል ኣስማቶምን ሞይኦምን ብሂይወቶም እንከለዉ ክንጠቅሶ ዘይምኽኣልና ግን ዘሕዝን እዩ።

ኤልሳ ዳኞው ዝተባህለት መምህር ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከሰላ ዝነበረት ሎሚ ብሂይወት የላን ኣብ ሓምለ 2018  ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 1992 እዩ ነይሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መሪሕነትን ካድራትን ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ዝዝምቢ ዝነበረ ሓደጋታት የስጋኣ ስለዝነበረ፡ ሓደ ምሸት ኣብ ገዝኣ ብጺሖም ንዝምለሱ ዝነበሩ ብጾት ስዒባ፡ “ኣታ ወዲ ባሻይ፣ እዚ ሓወይ እዃ ኣይሰምዓንን እዩ፡ ኣነ ዝተዛረብኩዎ ኩሉ ዋዛ እዩ ዝወስዶ፡ እዞም ሰባት ንስልጣኖም ክብሉ ንዝኮነ ሰብ ከጥፍኡ ድሕር ኣይብሉን እዮም፣ ምድሪ ምስመሰየ ምውጻእ ኣይትፍተዉዎ፣ ጸሓይ ምስዓረበት ዋላ ናብ ገዛይ ከትመጹኒ ኣይደልን እየ፣ በበይንኻ ምኻድ ግደፍዎ፡ ኣብዛ እንዳ ከሊፋ ዑስማን ተኣኪብካ ምምሳይ ድማ ግደፉዋ፡ እዚ ሰብኣይ ስድርኡ ከይትልክምሉ” ክትብል ናይ ድሕነትን ጥንቓቐን መልእኽቲ ምብጻሓ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ኤልሳን ንዓኣ ዝመስል ህዝቢ እንተዘይነብር ድማ ኲነታት ተቓለስቲ ካልእ ምኾነ ነይሩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ እሱር እዩ እንተተባህለ ብሓቕታት ክስነ ዝኽእል እዩ። እቲ ፍልልይ ተወዝ ኢሉ ክንቀሳቐስ ዝኽእልን እዚ ዕድልዚ ዘይብሉን ምረት መቁሕ ዝፈጥሮ ስቓይን ምህላዉን ጥራሕ እዩ። ዕማም ደለይቲ ለውጢ እምባኣር፡ ብዓብያኡ  ኣብ ዑናታት ምልኪ ሓራን ልኡላውን ህዝቢ ምርግጋጽ ክኸውን ከሎ፡ በብዝጥዕመና ኣገባብን ኣብዝጥዕመና ግዜን ንእሱራትን ሰማእታትን ኤርትራ ንኸይርስዑ ኩሉ ግዜ ምዝኽካር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ካብጠባያት ምልኪ ንዝፈጸሞ ግፍዕን በደልን ምርስሳዕን ሓራ ንኽኸውን ዘቕርቦ ምስምስን እዩ። ግዜ እንተወሲዱ ድማ ዘይምሕር ታሪኽ ኣሎ እዃ እንተተባህለ ክርሳዕ ዘይኽእል ነገር የለን። ስለዚ መን ቀዲሙ ተኣስረን ተገፍዐን ወይ መን ዝያዳ ተበዲሉን ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓደ ዜጋ ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ስጉምቲ፡ ኣብ መላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከምዝተፈጸመ  ጌርና ክንወስዶን ክንሕለቐሉን ከለና እዩ ጥዑይ ጐደና ዝህልወና። ኣብዚ እዋንዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ድማ፡ ከምቲ ብሰሪ ዘይምሕባርና ዘምለጠና ናይ ለውጢ ዕድላት ንድሕሪት ከይምለስ፣ ኣጽኒዕና ክንሕዞን ኣብዝላዓለ ጥርዙ ከነብጽሖን ንሕተት ኣለና።  

እሱራትናን ህዝብናን ሓራ ንኽኮኑ እምባኣር፡ ንስርዓተ ምልኪ ጠቕሊልና ክንድርብዮ ከለና ምዃኑ ተገንዚብና፡ ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።

Last modified on Friday, 26 April 2019 19:45