Print this page

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ተዓዛቢ ተኻፊሉ

2019-04-18 08:49:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3284 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን  ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት፡ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮንን ዝርከብዎ ልኡኽ ኣብ’ቲ ካብ 16-21 ሚያዝያ 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ንሰዲህኤ ወኪሎም ኣብ’ቲ መኽፈቲ ጕባኤ ከም ተዓዝብቲ ተኻፊሎም። ኣብ መዕጸዊ ናይ’ቲ ጕባኤ እውን ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ’ቲ ብ16 ሚያዝያ 2019 እተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ: ከባቢናን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ ለውጥታት ኣመልኪቱ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጕባኤ ዝቐረበ ሕቶታት ርእይቶኡ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ብጽሑፍ ይኹን ብድምጺ ከመሓላልፎ ዝጸንሐ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ቲ ብዕለት 17 ሚያዝያ 2019 ዝጀመረ መኽፈቲ 2ይ ጕባኤ ኤሃባደለ፡ ነዚ ዝስዕብ ናይ ደገፍ solidarity) መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ዝርዝር መግለጺ ናይ’ቲ ዘቕረቦ መግለጺ ብጽሑፍን ብድምጽን እንሆ።

https://facebook.com/677983857/videos/10158418956228858/?t=7

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

*************************

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ዝኸበርኩም ኣባላት 2ይ ጉባኤን ዕዱማት ኣጋይሽን

ኣቐዲመ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ብኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለኡ፡ ሓው ክፍለሃንስ ወልደገርጊስ ኣቢሉ ንዝቐረበልና ወግዓዊ ዕድመ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ክብ ዝበለ ምስጋናይ እናቕረብኩ፥ ዕዉት ካልኣይ ጉባኤ ክዀነልኩም ድማ እምነ።

ካልኣይ ጉባኤኹም፡ ብሓደ ሸነኽ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ዝተኸስተሉ፥ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ ከምክን ዝኽእል ኤርትራዊ ምጥርናፍ ኣብ ዝተዳኸመሉ ወይ ኣብ ዝበዀረሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ወቕቲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ስለ’ዚ ጉባኤኹም ኣብ ውሽጣዊ ሃለዋት ኤሃባደለ ጥራሕ ዘይኰነስ ክንዮኡ ከማዕዱን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቀዳምነት ክህብን ትጽቢት ክግበረሉ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ግፍዕን ጭቆናን ዝመረሮም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደገፍትን ተቓወምትን ስርዓት ኢሳያስ፡  ክርስትያንን እስላምን ብዘይ ኣፈላላይ ተላዒሎም፡ “ይኣክል ንምልኪ”፡ ይኣክል ንምብትታን፡ ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ድማ ፍልልያቶም ከጻብቡን ማዕረ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦም ዘሎ ደረጃ ክዀኑን ይግባእ።

ህዝቢ ሱዳን፡ ኣርዑት ምልኪ ንምድርባይ ዝኸፈሎ መስዋእትን ውጽኢቱን ድማ ንህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውድባቱን ዓቢ ትምህርቲ ኢዩ። ህዝቢ ተላዒሉ ስርዓት ከውድቕ ይኽእል ኢዩ፡ ዘይተወደበን መራሒ ዘይብሉን ምልዕዓል እንተደኣኰይኑ ግን፡ እቲ ተወዲቡ ዝጸነሐ ብፍላይ ድማ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክሕዞ ናይ ግድን ኢዩ። ጕዕዞ ወተሃደራዊ ስልጣን ድማ ማንታ መገዲ ኢዩ። ወይ ነቲ ስርዓት ኣውዲቕካ ስልጣን ንህዝቢ ምሃብ (ከም ናይ ጀነራል ስዋር ኣድሃብ) ወይ ድማ፡ ነቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ገለ ናይ መልክዕ ለውጥታት ጌርካ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ምንዋሕ ኢዩ። ህዝቢ ሱዳን ሕጂ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቃራና መንገዲ ኢዩ ዘሎ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝዀነ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ውድብ ወይ ጽላል፡ ኣብ ዝሰማምዕሉ ጉዳያት ሓቢሩ ንምስራሕ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ድልዊ ምዃኑ ክረጋግጸልኩም እፈቱ። ስለ’ዚ ድማ፥ ኢና ኵላትና ዘይንፈላለየለን ነጥብታት ከም መበገሲ ሓባራዊ ስራሕናን መህነጺ ምትእምማናን ጌርና ክንወስደን ኣሎና ዝበልና። ብወገና፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምክልኻል፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብላ ነጥብታት ከበግሳና ይኽእላ ኢየን ዝብል እምነት ኣሎና። ካልእ ኵልና ንሰማማዓሉ ነጥብታት እንተልዩ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ እዛ ዓመት’ዚኣ ምልካዊ ስርዓት ዝወድቀላን ህዝብና ድማ ናይ ናጽነት፡ ሰላምን ፍትሕን ኣየር ዘስተንፍሰላ ዓመት ክትኰነልና እምነ።

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና

ዓወት ንህዝባውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንምልኪ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

16 ሚያዝያ 2019

Last modified on Thursday, 18 April 2019 19:44