Print this page

ኣገደስቲ ተረኽቦታትን መለለዪታትን 2018 ዓ.ም

2018-12-31 13:06:50 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 2608 times
Rate this item
(0 votes)

ህቡብነት ኣብ ኣመሪካ

2018 ዓ.ም ብደረጃ ዓለም ኰነ ብደረጃ ዞባናን ሃገርናን ዓበይቲ ክስተታትን ለውጥታትን ዝተጋህዱላ ዓመት ኢያ ነይራ። ብደረጃ ዓለምና ክንርእዮ እንከለና፡ ብሄርተኛነትን (nationalism) ህቡብነትን (populism) ሰማይ ዝዓረጉላ ዓመት ኢያ ነይራ ክበሃል ይከኣል። ፕረሲደንት ትራምፕ “ኣመሪካ ትቕደም” ብዝብል መርሖ፡ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጡ፡ ኣመሪካ ዘይትረብሓሉ ዝምድና ገደል ይእቶ እናበለ ምስ ሩስያን ቺናን ኣብ ቍጠባዉን ፐለቲካውን ውድድርን ወጥርን ክኣቱ ተራእየ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ: ካብ ኵሉ ብዙሕ ዝኣንፈቱ (multi-lateral) ትካላትን ውዕላትን ወይ ንረብሓ ኣመሪካ ተቐድማ፡ ወይ ዝህቦ ዝነበርኩ ኣገልግሎትን ሓገዛትን ኣይክህብን ኢየ እናበለ ከጕባዕብዕን ኣባልነቱ ክስሕብን ተራእየ። ብተወሳኺ፡ ንሕቡራት ሃገራት ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ኣቢሉ፡ ካብ ዓለማዊ ከባብያዊ ውዕልን (Global environment agreement) ካብ ናይ ንግዲ ውዕላትን (NAFTA) ክስሕብ ተራእዩ። ንብዙሕ ኣንፈት ብእንኮ ንረብሓ ኣመሪካ ዝውዕል ኣንፈት (unilateral) ክትክኦ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ካብ’ቲ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኣውሮጳን ኢራንን ኣትዮሞ ዝነበሩ ኑክልያራዊ ውዕላት እውን ምስሓቡ ዝፍለጥ ኢዩ።

እዚ ጥራሕ ዘይኰነስ ነተን ታሪኻውያን መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ  እውን፡ ነብሰን ባዕለን ክከላኸላ ወይ ድማ ምስኡ ዝመጣጠን ረብሓ ንኣመሪካ ክህባ ብዝብል ምኽንያት ካብ ስምምዕ ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ክስሕብ ምዃኑ  ክህድድ ተራእዩ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ ካናዳ ዝነበረ ንግዳዊ ውዕል ከፍርስ፣ ብኣሸባርነት ኣመኽንዩ ኣስላም ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክኽልክል፣ ኣመሪካ፡ ብስደተኛታት ተጐቢኣ፡ ዜጋታታ ስራሕ ስኢኖም፡ ብዝብል ምስምስ፡ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክንመልሶም ኢና፡ እናበለ ክፍክር፣ ኣብ መንጐ ኣመሪካ መክሲኮን መንደቕ ክህነጽ ኣለዎ እናበለ ክህድድን ከጕባዕብን ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ (House of represntatives) ክቆጻጽር እንከሎ ሪፑብሊካዊ ፓርቲ ድማ ንሰነት (senate) ተቖጻጺሩ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ብዙሓት ሰበስልጣን ኣመሪካ ብፕረሲደንት ትራምፕ ክባረሩ ወይ ብገዛእ ድሌቶም ክሰናበቱ ተራእዮም።

ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሱርያ ክስሕቡ ኣዚዙ ኣሎ። ጂም ማቲስ፡ ነዚ ውሳኔ’ዚ ብምጽራር ካብ መዝነቱ ክሰናበት ምውሳኑ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ካልእ ኣብ ኣመሪካ ዝተራእየ ዓቢ ለውጢ፡ እቲ ጸረ ኣሸበርቲ ዝብል ዝነበረ ፖሊሲ፡ ብጸረ ረብሓታት ቺናን ሩስያን ዝብል ናይ ንግድን ውድድርን ፖሊሲ ምትካኡ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢያ ድማ ኣመሪካ፡ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ሱርያ፡ ዒራቕ ንኸተውጽእ ወይ ከተጕድል ትርአ ዘላ። ኣብ ሶማል ድማ፡ ናይ ኣልሸባብ ሓደጋ እናነከየ፡ ሶማል ድማ ናብ ንቡር ገጻ ከተምርሕ ስለዝጀመረት፡ ኣመሪካ ንጽልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት ኢያ ቀዳምነት ሂባ ትሰርሓሉ ዘላ። ስለ’ዚ ኢያ ድማ፡ እቲ ንኢህወደግ ብመሪሕነት ህወሓት ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ድጋፍ ኣብ 2018 ናብ’ቲ ብምሕዝነት ኦሮሞ ደሞክራስያዊ ፓርትን (ኦደፓ) ኣምሓራ ደሞክራስያዊ ፓርትን (ኣደፓ) ዝምራሕ ዘሎ ኢህወደግ ገጻ ከተቅንዖ ዝተራእየት። ኣመሪካ፡ ኣብ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ለውጥን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕን ዓቢ ተራ ከምዝነበራ ብመግለጺ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ማይክ ራይነርን ኣምባሳደር ዶናልንድ ያማማቶ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከንያ፡ ኤርትራን ጅቡቲን ዝገበሮ ዑደታትን ተረጋጊጹ ኢዩ።

ህቡብነት ኣብ ኣውሮጳ

ኣብ እንግሊዝ ዝተጋህደ ህቡባዊ ምንቅስቓስ እውን፡ ፈለግ ናይ’ቲ ትራምፕ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ብምስዓብ፡ ሃገርና ካብ ብሩክሰል ኣይትመሓደርን ኢያ፡ እንግሊዝ ብእንግሊዛውያን ክትመሓደር ኣለዋ፡ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ከይሰርሑ ንጸጋታትና ይጫረቱና ኣለዉ ብዝብል የማናዊ ህቡባውዊ ጐስጓስ፡ ብ2016 ስልጣን ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዳቪድ ካመሩን ዝተረከበት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ፡ ንዓዲ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምውጽኣ ኣብ ጽዑቕ ናይ ፍትሕ መስርሕ ተጸሚዳ ትርከብ።

ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ኣንጻር ስደተኛታት ዘቅንዐ ናይ የማን ህቡብነት ዝንባሌ ኢዩ ኣብ 2018 ጐሊኡ ተራእዩ። ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ዶባተን ስደተኛታት ከይሰግርዎ ክሳብ ሓጹር ምግባር በጺሐን ኢየን። ሃንጋርን ፖላንድን ድማ ከም ኣብነት ናይ’ዚ የማናዊ ህቡብ ዝምባሌ ክግለጻ ይኽእላ።

ኣብ ድቡብ ኣውሮጳ ግን፡ ፋይናንስያዊ ቅልውላዋት ዝፈጠሮ ናይ ጸጋም ህቡብ ዝንባሌ ኢዩ ተጋሂዱ። ኣብ ኢጣልያ፡ ላሊጋ ዝተባህለ ህቡብ ፓርቲ ብልፍንቲ ክመርሕ ከሎ፤ ኣብ ሆላንድን ስፓኛን እውን ናይ ጸጋም ህቡባት ፓርትታት ዓበይቲ ዓወታት  ኣመዝጊቦም ኢዮም።

ኣብ ፈረንሳ፡ ሰብ “ብጫ ሰደርያ” ብዝብል ስያመ ዝተፈልጡ፡ ኣብ እንግድዓ ፕረሲደንት ማክሮን ተሓንጊሮም ዝመጹ ሁቡባውያን ኢዮም ኣብ ዝሓለፉ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ደሞዝ ይወሰኸና ዝብል ዓመጽ ዝተወሰኾ ሰላማዊ ሰልፊ ዘበገሱን ዝመርሑን።

ኣብ ጀርመንን ሽወደንን ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝተኻየዱ ምርጫታት እንተዀነ እውን ህቡባውያን ፓርትታት ብዙሕ ናይ ህዝቢ ደገፍ ወይ ድምጺ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም።

ብኣንጻር’ዚ እናዓበየን እናሰሰን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ህቡባውያን ፓርትታት ተቐባልነት፡ ኵለን ያታውያን ሰልፍታት ሃገራት ኣውሮጳ ደገፈንን ተቐባልነተንን እናንቆልቆለ ክኸይድ ስለዝጀመረ፤ መንግስታት ኣውሮጳ ዶባተን ክዓጽዋን ኣብ እስያን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ንዘለዉ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት እናመወላ ንዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ናብ ሃገርን ክዓግታን ክጽዕራ ይርኣያ ኣለዋ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ 2018 እናነከዩ ክመጹ ተራእዮም ኢዮም።

ማእከላይ ምብራቕን እስያን

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ቀልቢ ናይ ዓለም ስሒቡ ዘሎ ፍጻሜ፡ ውግእ የመንን ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ መቕተልቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሹግጂ ኣብ ኤምባሲ ሃገሩን ኢዩ።

ኣብ መንጐ ሓይልታት ሖቲይን ኣብ መንጐ ብልፍንቲ ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ የመናውያን ዝሃለቑሉን ዝተፈናቐሉሉን ኰይኑ፡ ልዕሊ 85,000 ህጻናት ድማ ብጥሜት ከምዝሞቱ ኢዩ ዝንገር። እዚ ተረኽቦታት’ዚ ብዘሕደሮ ተጽዕኖ፡ ኣመሪካ ንሓይልታት ልፍንቲ ትህቦ ዝነበረት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ደገፍ ክትንክን፣ እቲ ስዓርን ተስዓርን ዘይብሉ ውግእ ብሰላማዊ ኣገባብ  ክፍታሕን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ልፍንቲ ተጽዕኖ ክትገብር ትርአ ኣላ። ከምውጽኢቱ ክልቲኦም ሸነኻት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተራኺቦም፡ ናይ እሱራት ምቅይያር ክካየድ፡ ኣብ ወደብ ሑደይዳ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ ስምምዕ ክግበር፡ ረዲኤት ናብ ክልቲኡ ሸነኻት ዝርከብሉ ቦታታት ክባጻሕ፡ ውደብ ሑደይዳ ድማ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ።

ኣብ መንጐ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ሸነኽ ሱርያ፡ ኢራን፡ ሩስያን ቱርክን ድማ ብኻልእ ሸነኽ፡ ዘሎ ወጥሪ ኣብ 2018 እናበረኸ ክመጽእ ኢዩ ተራእዩ። ኣመሪካ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ካብ’ቲ ምስ ኢራን ኣትያቶ ዝነበረት ኑክልያራዊ ውዕል ምስሓባ፡ ብመሓዙታ ዝዀና ሃገራት ኣውሮጳ ተቐባልነት ኣይተረኽበን።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ናይ ብኣሸበርቲ እትፈልጦም መንግስታት ሱርያን ኢራንን ሓሓሊፋ መጥቃዕትታት ከተካይድ ተራእያ ኢያ።

መንግስቲ ኣመሪካ ንየሩሳሌም ከም ርእሰ-ከተማ እስራኤል ብምፍላጥ፡ ኤምባሲኡ ኣብ የሩሳሌም ከግዕዝ ምፍታኑ፡ ናይ ፍልስጤማውያን ሓያል ቍጥዓን ተቓውሞን ኣስዒቡ ኢዩ።

ኣብ መራሕቲ መንጐ መንግስቲ ኣመሪካን መራሒ መንግስቲ ሰሜን ኮርያን ብተደጋጋሚ ዝተገብሩ ርኽክባት ድማ ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ንጹር እንተዘይኰነ፡ ነቲ ዝነበረ ናይ  ኑክልያራዊ ውግእ ሓደጋ ኣህድእ ዘበሎ ኢዩ ዝመስል።

ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ 2018 ዝተጋህደ ለውጥታት ናይ ስሕበት ማእከሉ ኢትዮጵያ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣዲስ ኣበባ ንምስፋሕ ዝተተለመ ማስተርፕላን ዝጀመረ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ተቓዉሞ እናተጓሃሃረ፡ ኣብ ደብረዘይት ኣብ ዝተኸብረ ባህላዊ ናይ ኤሪቻ ጽንብል ብዘጋጠመ ተቓውሞ ናብ ዓቢ ባርዕ ተቐይሩ። እዚ ተቓዉሞታት’ዚ ናይ ውሽጥን ግዳምን ደገፍ እናረኸበ፡ ኣብ ካልኦት ብሄራትን ክልላትን እናለሓመ ከደ።

ነዚ ተቓውሞታት’ዚ ንምህዳእ ተባሂሉ ክልተ ግዜ ናይ ህጹጽ ኵነታት ኣዋጅ ተኣዊጁ ግን ነቲ ዝተበገሰ ባርዕ ክህድኦ ኣይከኣለን። ኣመሪካ ድማ፡ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ባይታ ናይ ተቓውሞ ምስፋሕን ኢዩ ዘድልዮ እምበር፡ ብህጹጽ ኣዋጅ ዝፍታሕ ኣይኰነን ዝብል ተቓውሞኣ ከተስምዕ ተራእየት። ብገለ ኣባላት ኮንግረስ ዝተመርሐ HR-128 ዝብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኸስስ ምንቅስቓሳት ተጀመረ። ብድሕር’ዚ ኢህወደግ፡ እቲ ጸገም ጕድለት ሰናይ ምሕደራ ዝፈጠሮ ምዃኑ ብምእማን ዓሚቝ ተሓድሶ ክግበር ወሰነ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ  ስልጣን ምስ መጸ፡ ኢህወደግ እሱራት ክፍትሑ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተቓወምቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ከፍቅድን ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምዃኑ ገለጸ። ከም ውጺኢቱ ድማ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ፈደራላዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ውዕል ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ተኸተመ። ኣብ መስከረም 2018 ድማ ኣብ ስዑዲ ዓረብ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ብወግዒ ተፈራረሙ።

እዚ ኣብ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ዓቢ እፎይታ ፈጠረ። ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጥታት ኣብ ኤርትራ ክግበር’ዩ ዝብል ተስፋ ነበሮ። ማለት ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ናብ ስድራቤቶምን ስርሓቶምን ትምህርቶምን ክምለሱ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዓመትን መንፈቕን ጥራሕ ክኸውን፡ ቅዋም ክትግበር፡ ተቓወምቲ ስርዓት ናብ ሃገሮም ክምለሱ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ፖሊሲ ክሰፍን ይትስፎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ምልዓሉ ድማ፡ ንትጽቢታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ኣበረኾ። ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ እዚ ኵሉ ኣይዓጠጦን።

እቶም ዶብና ከይተሓንጸጸ ዝምድናና ናብ ንቡር ኣይምለስን ኢዩ እናበሉ ዝምሕሉን ዝጥሕሉንን ዝነበሩ መራሕትን ደገፍትን ስርዓት ኢሳያስ፡፡ ንመብጽዓታቶም ጠሊሞም፡ ጕዳይ ዶብ ዘሀውኽ ኣይኰነን፡ ካብኡ ዝዓብዩ ብዙሓት ጕዳያት ኣለዉና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እግሪ ክሳብ ዝተክል ከነጻብበሉ የብልናን እናበሉ ምስምስ ከብዝሑ ተራእዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብርኣብን ዝርከብዋ ጋንታኡ ከም ፍታሕ ኩርኩር፡ ንተኣሲሩላ ዝነበረ ገመድ በቲኹ፡ ንመቓብር ስዉኣቱ ረጊጹ፡ ካብ ክልል ናብ ክልል ክዕንድርን እምበር’ዶ ጥዑይ’ዩ ዘብል ባህርያት ከንጸባርቕን ዘየድሊ ዘረባታት ከስምዕን ደኣ ተራእየ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ካብ’ታ ብጽምዋ ተኣሲሩላ ዝነበረ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ፡ ዓረብ ዓማራት ምምልላስ ጀመረ። ንሶማልያን ጅቡትን እውን ብጽሖት ገበረ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ፡ ጩራ ናይ ለውጢ ከይተራእየ፡ እቲ ስርዓት ንተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ናይ ቀደም ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ፡ መጽሓፍ ጽሒፍካ ኢሉ ምእሳሩ ኢዩ።

ካልእ ኣገዳሲ ተረኽቦ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም እተፈተነ ናይ ቅትለት ፈተነ ኢዩ። መን፡ ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶታት ዘይተመለሱ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ስርዓት ብዝቃወም ሰብ ወይ ውድብ ከምዝተፈጸመ ንምርዳኡ ዘጸግም ኣይኰነን። እዚ ከኣ፡ እታ መሸንቆቛ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናጸበበት ትኸይድ ከምዘላ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።

ልዕሊ 27,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ማለት፡ ካብ ሓምለ ክሳብ ታሕሳስ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቝባ ምሕታቶም ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ተሸጊሩ ከምዘሎ ዝሕብር ብሩሁ ምልክት ኢዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ሰላም ሰፊኑ፡ ማዕቀብ ተላዒሉ ኣብ ዝብሃሉ ዘሎ እዋን ምግሃዱ ድማ ንህዝቢ ዓለም ኣስደሚሙ ዘሎ ተረኽቦ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ጽቡቕ ጅማሮ ምሉእ ኣይኰነን ዘሎ። ብሰንኪ መንነትን ዶባት ናይ ክልላትን ኣብ መንጐ ብሄራትን ዓሌታትን ተኸሲቱ ዘሎ ጐንጽታትን ውግኣትን፡ ተፈጢሩ ዘሎ ቂምን ጽልእን ንጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ኢዩ። ብሰንኪ’ዚ ጐንጽታት’ዚ ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ፡ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ሃሊቖም፡ ንብረቶምን ገዝኦምን እውን በሪሱ ኢዩ። እዚ ኰነታት’ዚ ኣብ ቍጠባውን ማሕበራውን ስነኣእሙራውን መዳይ ዘሕድሮ በሰላታት ድማ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኰነን።

ኣብ ሱዳን ኣብ’’ዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኸስተ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣኣብ ከባቢንና ዝርአ ዘሎ ለውጥታት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ማዕበል’ዚ ናብ ኤርትራ ገጹ ምንፋሱ ዘይተርፍ ኢዩ።

ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ

ብሸነኽ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ 2018 ዓ.ም ናይ ምትእኽኻብን ምውዳብን ንጸገማትካ ናይ ምፍታሽን ብርክት ዝበሉ ሰሚናራት፡ ስይምፖስዩማትን ዋዕላታትን ዝተኻየዱላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ ኣብ ጀነቭ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ብራሰልስ በልጅዩም፡ ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን፡ ዝተኻየዱ ንውድባትን ህዝብን ንምጥርናፍ ዝዓለሙ ምንቅስቓሳት ተስፋ ዝህቡ ኢዮም ነይሮም። ኣብ 2018 ናይ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ቃልን ባህግን ምጥርናፍ ትብል ቃል ኰይና ምህላዋ ዝከሓድ ኣይኰነን። እዚ ተርእዮ’ዚ ተስፋ ዝህብን ክድፍኣሉ ዝግባእ ቅዱስ ዕማምን ምዃኑ ድማ ከስምረሉ እፈቱ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ብደረጃ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክርአ እንከሎ ድማ፡ ኣብ 2018 ዝጀመረ ኣገዳሲ ርክብን ልዝብን ኣብ መንጐ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2019 ብምጽንባር ክዛዘም ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምዃኑ ክሕብር ደስ ይብለኒ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤን ኣብ መንጐ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ንምጽንባር ዝዓለመ ሃናጺ ልዝብ ይካየድ ምህላው ዝፍለጥ ኢዩ። ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ ድማ፡ ኣብ’ተን ኣብ እማመ ሓበራዊ ዕዮ ሰዲህኤ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ሰፊረን ዘለዋ 4 ነጥብታት፡ ማለት፡-

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ናይ ጭቆና መሓውራቱን፤

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል።

ዝተሰረት ልፍንቲ ንምቛም ምስ ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ ልዝባት ክካየድ ጀሚሩ ኣሎ። ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ብኣርባዕተ ውድባት ዝቖመ ኢዩ።

ርሑስን ለውጢ ንርእየሉን ሓድሽ ዓመት ይግበረልና

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

31 ታሕሳስ 2018

Last modified on Thursday, 03 January 2019 15:27