Print this page

ዕዉት ጉባኤ ሰዲህኤ ንመበል 8ይ ግዜ ኣብ ኖርወይ

2018-11-25 16:59:51 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2541 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 24 ሕዳር 2018 ንምበል 8ይ ግዜ ስሩዕ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብ ቲሕቲ «ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ! ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ!» ዝብል ጭሮሖ ብዓወት ኣቃኒዑ።

ጉባኤ ብዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ማሕደር ዑቁባዝጊ ንተጋባእቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ኣስሚዑ፣ ብምቅጻል 8ይ ጉባኤ ጨንፍር ኩነታት ህዝብና ካብ ዝነበሮ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብ ዝሰጎመሉ፣ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ድማ ኣብ ትሕቲ ሰላምን ዕርቅን ዝብል ጉልባብ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ይካየድ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ። ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፣ ሰዲህኤ ድማ ብፍላይ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓቢሩን ሰሚሩን ክሰርሕ መድረኽ ይጠልቦ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣስዒቡ፣ ካብ ው/ሮ ትዕበ ተክኤ ሓላፊት ስርዒታዊ ጉዳያት ዞባ ኤውሮጳ ዝተላእከ ናይ ዮውሃናን ሰናይ ምንዮትን መልእኽቲ ተነቢቡ።

ብምቅጻል፣ ኣብ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ደፕሎማስያውን፣ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ጸብጻባት ብዋና ጸሓፊ ጨንፈር፣ ሓው ከሊፋ ዓብደላ ክቐርብ እንከሎ፣ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር፣ ብጻይ ሙሴ ዓማር እውን ብወገኑ ሰልፋውን ጨንፈራውን ጸብጻባት ኣብ ክሊ ጨንፈር ኖርወይ ኣቅሪቡ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ኣብ ዝቐረቡ ጸብጻባት ሕቶታት ኣቕሪቦም፣ ድሕሪ ግቡእ መልሲ ምርካቦም፣ ርእይቶታቶምውን ገሊጾም። ንኽልተ ዓመት ደኺምና ከይበሉ ንዘገልገልዎ መሪሕነት ጨንፈርውን ንተጻዋርነቶምን ብዝዓመምዎ ስረሓትን ሞጎሶም ገሊጾም። ንስፍሓት ተጠቃምነት ቋንቋ ዓረብ ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ንምሕያል ዝቆመ ብወይዘሮ ፋጥማን ሓሰን ሽፋን ዝምእከል ኮሚተ እውን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ጸብጻባቱ ኣቕሪቡ፣ ኣብ መስሪሕ ንዘጋጥሞ ብደሆታትውን ሓቢሩ።

Norway Branch congress 24.11.2018. 1

 

ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፊን ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያትን፣ ኣቶ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ብወገኑ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ፣ ንኩነታት ሃገርናን፣ ኩነታት ደምበ ደለይቲ ፍትሕን፣ ንኰነታት ሰልፍን ኣመልኪቱ ንተጋባእቲ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ንሱ ንኩነታት ሃገር ኣመልኪቱ ኣብዚ ስርዓት ኣስመራ ናይ ዶብ ሽግርና ምስ ኢትዮጳያ ተፈቲሑ እዩ፣ ዝምድናናውን ኣብ ንቡር ኩነታት ተመሊሱ እዩ እንዳበለ ንዓለማውን ዞባውን መኽሰብ ፕሮፖጋንዳ ዝነፍሓሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ንስደት ናብ ኢትዮጵያን፣ ብኢትዮጳያ ኣቢልካ ንሱዳንን ካብ ዝነበሮ ገዲዱ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላዉ ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ናይ ህዝቢ ተስፋ ኣልቦነት ካብ ስርዓት ኢሰያስ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ንኩነታት ሰልፊ ኣመልኪቱ ብጻይ መድሃኔ ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዳይ ሓባራዊ ስራሕ ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ፖሎቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት፣ ሓድነታዊ ጻዕርታት ምስ ካልኦት ሰብ ዝተቀራረበ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ዝኾና ማሕበራት፣ ተሓድሶ ሰልፊ፣ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ መደባት እንታይ ከምዝተሰላሰለን ኣብ ምስልሳል ዘሎን፣ ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ሰጒሙ ከምዘሎን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ፣ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ጨንፈር ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪሕነቱ መሪጹ፣ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ።

Last modified on Sunday, 25 November 2018 18:08