ቀደሙ’ውን ኤርትራዊ ክዉንነት ዘይተረደአ እገዳ

2018-11-16 18:09:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2394 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ ናይዚ ቅንያት መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ከምቲ ኩልና ክንከታተሎ ዝጸናሕና እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ክውስን እንከሎን፡ ደሓር እውን በብግዜኡ ከሕድሶን ከመሓይሽን እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝጸንሐ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ሕጂ እውን መመሊሱ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ናይቶም ነቲ እገዳ ዝወሰኑ ልዕለ ሓያላን ክብርን ልዕልናን እዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ኰነታት ዘይቋምት እገዳ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ መሰሉ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ክንድቲ ዝድለ ሓጋዚ ኣይነበረን።

እቲ እገዳ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝወሰኖ ኣካል ነቲ ውሳነኡ ተኸታቲሉ ከተግብሮ ዘይምኽኣሉ ከኣ ካልእ ነቲ እገዳ ትርጉም ዘስኣኖ ነይሩ። ብዛዕባዚ እገዳ ክለዓል እንከሎ ኣብ ኤርትራውያን ኣካታዒ ዝነበረ፡ እቲ እገዳ ንህዝቢ ይጐድእዶ ኣይጐድእን ዝብል ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ወዮደኣ ከምቲ ዝተዓዘብናዮ ኣይተተግበረን እምበር ብንጹር ኣብ ውሱናት ሓለፍቲ ህግደፍን ምንቅስቓስ ንብረቶምን ዘነጻጸረ ስለ ዝነበረ፡ ንህግደፍ ዝቐጽዕ እምበር ንህዝቢ ዝብድል ኣይነበረን። ህግደፍ ግና ኣብቲ ካልእ ጉዳይ ነቲ ህዝቢ “ኣነ ኣለኹልካ” ዘይበሎ፡ ኣብዚ እገዳ በጺሑ “በደለይ በደልካ እዩ” እንዳበለ ክመጻደቕ ከም ዝጸንሐ ዝተኸታተልናዮ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክጐድኦ ዝጸንሓን ዝጐድኦ ዘሎን እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ በይንዎ ዘሎ፡ ከቢድን ንኩሉ መዳያት ህይወቱ ሓላሊኽዎ ዘሎ ዘቤታዊ እገዳ እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይዚ ትካልን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ግቡእ ግምት ኣይሃብዎን። ባዕሉ ዝመዘዞ መርማሪ ኣካል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ በብግዜኡ ከቕርቦ ንዝጸንሐ ጸብጻባትን ናይ ስጉምቲ ሓሳባትን ዝሃቦ ክብደትን ዝወሰዶ ውሳነን ዘይምህላዉ ከም ናይ ሸለልትነቱ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። እዚ ከኣ ኤርትራውያን ጉዳይና ከም ቀደምና ባዕልና እንሕዞ እምበር ካብ ካልእ ኣካል ዘይንጽበየሉ ምዃኑ ዘገንዝብ እዩ። ምኽንያቱ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ስማዊ እገዳ ዝበለ እንተበለ፡ ኩሉቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ደበና ኣብ ቦታኡ ስለ ዘሎ። እቲ ዘገድስ መን እንታይ ኢሉ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ባይታ ዝንበብ ዘሎ ኩነታት ምርኣይን ምድህሳስን እዩ።

ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት እገዳ ይውሰን እዩ። ምስ ናይ ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝኸበደ እገዳታት’ውን ይውሰን። ምስዚ ኩሉ እቶም እገዳ ዝተወሰኖም መንግስታት ብዛዕባቲ እገዳ ኣብ ምቑዛም ከይተወሰኑ ብዘለዎም ዓቕሚ ናይ ህዝቦም ሕቶ ክምልሱ ይጽዕሩ። ጉጅለ ህግደፍ ዝመረጾ ግና ኣብቲ ስማዊ እገዳ ተሓቢእካ ምስቲ እገዳ ዝምድና ዘየብሉም ጉዳያት እንዳዘርዘርካ ምቑዛም እዩ። ብዘይካዚ ብዘይግቡእ ኣብ ልዕለይ ዘይምኽኑይ እገዳ ተወሲኑ እንዳበለ፡ እቲ ሕሱም ጉጅለ ብግዲኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሲንዎ ዝጸንሐ ሕጂ እውን ዘይተላዕለ ህግደፋዊ እገዳ ክሳብ ክንደይ ንህይወት ህዝብና ከም ዝሓላለኾ እንዳ ኩሉ ኤርትራ ዘሎ ስለ ዝኾነ ምዝርዛሩ ኣድላይ ኣይኮነን። ህግደፍ ንእገዳ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጡ ዘቕልብ ደገደገ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ምእንቲ ክቋየቕ ከም ሜላ ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ንእገዳ’ውን ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ንዝነበረ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ሃዋህው ከም መህደሚ ካብ ሕቶ ህዝቢ ክጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ጉዳይ ሕገመንግስቲ፡ ጉዳይ ምርጫ፡ ጉዳይ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ጉዳይ ፍልሰት መንእሰያት፡ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ጉዳይ ልዕልና ሕግን፡ ጉዳይ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ዝኣመሰሉ ክለዓሉ እንከለዉ፡ ንዝምድና ምስ ኢትዮጵያን ንእገዳን እንዳቐያየረ ክሕበኣሎም ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት እቲ ኩነታት ምስተቐየረ፡ ካብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳይ ንምህዳም ዘርኣዮ ህድማን ሸታሕታሕን ተዓዚብናዮ ኣለና። እዚ ህድማ ዘገርም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ተበላጺ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ዘይተጸበናዮ ግና ኣይኮነን። ሕጂ ከኣ እነሆ እታ ናብ ኤርትራዊ ጉዳይ ከየድህብ ክሕበኣላ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ዕርዲ እገዳ ፈሪሳ ኣላ። ደጊም ምኽንያታቱ ሰለ ዝተወደአ ህግደፍ ናብ ዜቤታዊ ጉዳያት ክኣቱ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካልእ መመሳመሲ ምኽንያት ከም ዝምህዝ ግና ዝግመት እዩ።

ብመንጽር እዚ ኩነታት፡ መንገዲ ህግደፍ በቲ ዝገመትናዮ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ሓንሳብ ኣብ ናይ ጸረ ህዝቢ ናይ ኣተሓሳስባ ጫካ ስለ ዝሰፈረ፡ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዚ ንርእዮ ዘለና ዋላ ብግጉይን ዘይውሑስን ኣተሓሕዛ እዚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ እንተሓዘ፡ ጉዳይ እገዳ እውን እንተተላዕለ ንህዝቢ ዝርህርህ ሕልናን ዓቕምን ከምዘይህልዎ ክንግንዘብ ይግበኣና። እዚ ማለት ከኣ ካብ ቃልስና እምበር፡ ካብ ህግደፍ ዝምጽወት ፍታሕ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ጉጅለ በዚ ተኸፊቱሉ ዘሎ መዓጹ ካብ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ተዓኹሊልካ ምውዓል ወጺኡ ኤርትራዊ ዛዕባ ዕሽሽ ኢሉ ዝዓበየ ዞባዊ ቅጫ ከናዲ ደድሕሪ ጉዳዮም ዝወገኑ መራሕቲ ሃገራት ሃተምተም ክብል እምበር ናብ ኤርትራዊ ጉዳይ ከቕልብ ከምዘይኮነ ይነግረና ኣሎ። ብፍላይ እቶም ህግደፍ ነብሱ ንከድሕን በብግዜኡ ንዝስነዖም ምኽንያታት ክትምርቕሉን ከተቃልሕሉን ዝጸናሕኩም ወገናትና፡ ዝያዳ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኤርትራን ህዝባን ከም ዝቐርብኹም ተረዲእኩም “ክሳብ እተኣምን ኪድ ካብ ዘተኣምን ተመለስ” ከም ዝበሃል “ደጊም ኣይምስኻን” ክትብልዎ ንምሕጸነኩም። እቶም ካብ ቀደም ለውጢ ክንሓትትን ምእንታኡ ክንቃለስን ዝጸናሕና ከኣ እዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ንጉጅለ ህደፍ ዘጻብበሉን ዘቃለዖን፡ ንዓና ከኣ ሓጋዚ ምዃኑ ተረዲእና ከይሰልከና ንቕድሚት ክንደፍእ ይግበኣና።

Last modified on Friday, 16 November 2018 19:22