Print this page

ኤርትራውያ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣብ ጀርመን፡ ናብ ዶክ. ኣብይ ኣሕመድ ቀሚፈደሪኢ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ

2018-10-31 18:35:46 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ Published in EPDP News Read 2627 times
Rate this item
(0 votes)

ናብ ዝኸበርኩም ዶር. ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ

ሰላምን ጥዕናን ምሳኹም ይኹን።

እዞም ሎሚ ኣብ ቀጽሪ መጋባእያኹም ቀሪብና ዘለና ሰላማዊ ሰልፈኛታት፣ ካብቶም ሰላምን ራህዋን፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ስርዓትን ፍትሕን፡ ሰናይ ጉርብትናን እንብህግ፡ ግን ከኣ፤ ብሰሪ ምልካዊ ኣማራርሓ ስርዓት ኤርትራ ካብ እንፈትዎ ህዝብናን ሃገርናን ተፈሊና፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲንና ንነብር ዘለና ኤርትራውያን ኢና። ሰላማዊ ሰልፍና ንዓኹም ንምቕዋም ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ከምዘይኮነ ተገንዚብኩም፡ ሰማዕ ኢኹም እሞ፣ ስምዕታናን ቅሬታናን ንነባሪ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጠመተ ስለዝኾነ ኣስተብህሎ ንኽግበረሉ ንኽብርነትኩም ብትሕትና ንሓትት።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድ ናይ ለውጢ መስርሕ ማለት ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ምፍታሕ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ከም መዋዳድርቲ ወሲድካ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱ ምፍቃድ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ምምራሕ ክብ ምባልን ካልእን ዝኣመሰሉ ለውጥታት ንድግፎን ንንእዶን እዩ።

ንውዑል ኣልጀርስ ብይን ኮምስዮን ዶብ ብዘይቅድመ ኲነት ተቐቢልኩም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንምስፋን ዝወሰድኩሞ ተበግሶ እውን፣ ከም ሓሳብ ንድግፎን ንቕበሎን ኢና። ክንጽዕረሉ ምጽናሕናውን መዛግብትና ዝዝክሮ እዩ። እዚ ተበግሶ እዚ ግብራውን ሓቅነት ዘለዎን መታን ክኸውን ግን፡ ብቐዳምነት እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ወይ ክልተ መራሕቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብግልጺ ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብዝርዝር ክሕበር ነይርዎ ባሃልቲ ኢና።

ምንጻር ዶብ ክልቲኡ ሃገራት፣

ምንጻር ዶብ መሰረታዊ ናይ ሰላምን ርግኣትን፡ መለለዪ ክብርን መንነት ኣህዛብን፡ ልኡላውነት ሃገርን ምዃኑ ኣጸቢቕኩም እትግንዘብዎ ሓፈሻዊ መትከል ሃገርነት እዩ። ግደፍዶ ክንዲ ሃገራት ዝኣክልስ ዓድታት እውን ነናተን ዶባት ሃልይወን እየን ተሳንየንን ተደጋጊፈንን ዝነብራ። ስለዚ ድማ ዶባት ከይተነጸረ ብሰላም ክትነብር ጐረባብቲ ክትከውን ስለዘይካኣል፡ ምንጻር ዶብ ንዓና፤ ካልኣይ ቦታ ዝሕዝ ዘይኮነስ፤ ቀዳማይ ቦታ ተዋሂብዎ ክስራሓሉ ይግባእ። ልኡላውነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረጋገጽ ድሕሪ ዶባተን ምንጻርን ምጥራርን ኢዩ። ስለዚ መጻኢ ወለዶ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዶባተን ዝተሓለወን ልኡላውነተን ዝተዓቀበን ሃገራት ክትገድፍሎምን ነዚ ዘኽብር ንጹርን ድሙቕን ውዑላት ክትክትሙሎምን ታሪኻዊ ግዴታን ሓላፍነትን ከምዘለኩም ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ። እዚ እንተደኣ ገርኩም፡ ታሪኽኩም ኣብ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ነባርን ዘይሃስስን ዝኽሪ ክኸውን ኢዩ።

ስምምዕ ምስ መን

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ኣማራርሓን ዘይብላ ሃገርን፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን ዝጸደቐን ሕጋዊ ትካላት ስለዘይብላን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንጋጋ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተቐርቂሩ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጭቆናን ራዕድን ውልቀ-መላኺ ይነብር ምህላዉ ንዓኹም ሓበሬታ ዘድሊ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ እቲ ግፍዕን ሕሰምን ምልኪ፤ ካብ ኤርትራ ፈሲሱስ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ደምየምሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዝሓለፈ በደል ክስገርን፣ ዶባት ከፊትካ ህዝብታት ክራኸቡን ምግባሮም ዝጽላእ እኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ናብዚ ዘብጽሐ ስምምዓትን ውዑላትን ግን ህዝብና ዘይተሳተፎን ዘይፈልጦን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንዝመጽእ ወለዶ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ከነገንዝብ ንደሊ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብስም ኤርትራ ምሳኹም ውዕላት ዝኽትም ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ፡ ከም’ቲ ንኣኹምን ዝወከለ ኣሰራርሓን ትካላትን ዘይብሉ ስለዝዀነ ኢዩ። እቲ ምስ መንግስትኹም ዝግበር ዘሎ ስምምዓት፡ ህዝብናስ ይትረፍ እቶም ስማውያን ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ እውን ዝፈልጥዎን ዝዘተይሉን ኣይኰነን። ስለዝዀነ፡ እዚ ውዕል’ዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዘላቒ ሰላም ከምጽእ?!!! እቲ ኣብ በረኻታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ምስጢራዊ ውዑላትን ኣብ 1992 ዝተፈረመ ህዝቢ ዘይፈልጦ ወታሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዝኸፍኤ ብርሰትን ጥፍኣትን ዘምርሐ ኲናት ምቕያሩ፤ ናይ ቀረባ ተዝክሮ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብምልኪ ዝሰክሐ ህዝቢ ምዃኑ ድማ፡ ዶብ ምስተኸፍተ ናብ ሃገርኩም ዝውሕዝ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምስክር እዩ።

ስምምዕ ብመንጎኝነት መን

ኣብዚ እዋንዚ ኲነታት ወሽመጥ ዓረብን ቀርኒ ኣፍሪቓን ንዝከታተል ተዓዛቢ፡ ካብተን መበቆል ሓሳብን መዕለቢ ኵናትን ኢትዮ-ኤርትራ ሃገራት ኣፍሪቓ በርኪናፋሶን ኣልጀርስን ወጻኢ፡ ብዓብዪኡ ድማ ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቓ ርሒቑ ዝግበር ዘሎ ናይ ጅዳ ስምምዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዘይምልከቶም ናይ መን ሓየለን ዓብለለን ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ዝጠብስ ከይኸውን ስክፍታታትና ክንሓብኣልኩም ኣይንደልን።

ፍኑው ንግዲ

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ዝረኤ ዘሎ ፍኑው ቀጥዒ ኣልቦ ናይ ንግዲ ኣገባብ ንሕጂ እኳ ብስእነት ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ዕዳጋ ምርካቡ ጽቡቕ እንተመሰለ፣ ጽባሕ ግን ኣብ ዘይተደላዪ ምስሕሓባት ከእቱ ከምዝኽእል ዝስሓት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ 1998 ዝተባርዐ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ቀንድን መሰረታውን መንቀሊኡ ቁጣባዊ እዩ ነይሩ። ስለዚ እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ንግዲ ምምልላስ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ዳግማይ ምውጣጥ ክድሕን፣ ናይ ክልተ ልኡላውነተን ዝሓለዋ ሃገራት ናይ ንግዲ ቅጥዒ ኣብ ምትሕዙ ግዴኹም ንኸተበርክቱ ምሕጽንታና ነማሓላልፍ።

ሞራላውን ሰብኣውን ግዴታ

ብዛዕባቲ ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ዘሎን ገናውን ኣቕጣጫኡ ዘይተፈልጠ ጉዕዞ ዝኸይድ ዘሎ ውልቀ ምልኪ፣ ድምጺ ህዝቢ ዝሰምዕ ከምዘይኮነ ስለእንፈልጥ፡ ኣብ ምርብራብ ኣለና። ኣብ ኤርትራ ኩለንተናዊ ለውጢ ዘረጋግጽ ድማ ዋንኡ ዝኾነ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ እዃ ይኹን እምበር፡ ከምቲ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጽቡቕ እተመነኹምሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን እሱራቱ ክፍትሑ፡ ምስተቓወምቱ ዝወዳደር፡ ሕገ-መንግስቲ ዘለዎ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዝን ስርዓት ንኽህልዎ ክትጽዕሩን ክትሰርሑን ሞራላውን ሰብኣውን ሓላፍነት ከምዘለኩም ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ።

ኣብ መደምደምታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ዘይተጸበዮ ረኽቡ ኣዴታት ምስ ቈልዑተንን መንእሰያትን ዝስደዱላ ሃገር ኮይናቶ ኣላ፡ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ምስኣተወ ብህዝቢ ዝግበረሉ ዘሎ ሓገዝን ምትሕብባርን እንዳኣመስገና፡ እቲ ምትሕብባር ልዕሊ እቶም ናይ ከባቢ ዓድታት ህዝቢ ክኸውን ስለዝኽእል ግን፣ ብመንግስቲ ደረጃ ክረኤን ናይ ጽባሕ ኣፍራይን ዝተማህረን ጎሬበት ክህሉ ኣገዳሲ ስለዝኮነን፡ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ኣገልግሎትን ናይ ምስራሕ ዕድላትን ንኸይንፈጎም፡ ጸጥታዊ ድሕነቶም ክሕሎን ብትሕትና ነገንዝብ።

ሕውነትን ሰናይ ጉርብትናን ይዓንብብ!

ሰላምን ራህዋን ንህዝብታት ኢትዮ-ኤርትራ

ኤርትራውያን ሰላማዊ ሰልፈኛታት

ፍራንክፎርት - ጀርመን

       31.10.2018

Last modified on Wednesday, 31 October 2018 19:48