Print this page

ሓድነታዊ ቅሩብነት ኣባላት ክልቲኡ ውድባትና

2018-10-29 19:31:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2816 times
Rate this item
(0 votes)

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሓድነት ብ21 ጥቅምቲ 2018 ናይ ክልቲኡ ወገናት መሪሕነታት ዞባታት፣ ንኡሳን ዞባታትን ጨናፍርን ናይ ሓባር ኣኼባ ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ መስርሕ ሓድነት ኣብ ላዕለዎት መሪሕነታት ጥራይ ተንጠልጢሉ ዝተርፍ ዘይኮነ፣ ናብ መሰረታት እውን ክወርድ ስለ ዝግበኦ ናይ ክልቲኡ መሰረታት ምልላይን ኣብ ቀጻሊ ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት ንምጥጣሕን እዩ።

ኣብዚ ናይ ምልላይን ኣብ መጻኢ ሓቢርካ ናይ ምምስጓም ኣንፈት ምንጻርን መድረኽ፣ በታ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተመዘዘት ሽዱሽተ ዝኣባላታ ናይ ዘተ (ኣወሃሃዲት) ሽማግለ፣ እቲ መስርሕ ሓድነት ዝጀመረሉ ኣጋጣሚ፣ ዘለዎ ደረጃን ኣብ ቅድሚኡ ዘለዉ ዕማማትን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብዚ ኣኼባ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ እስራኤል፣ ኣወስትራልያ፣ ኣሜሪካን ካናዳን፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተሳተፉ ዝርከብዎም ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣካላት ተሳቲፎም። እዞም ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣካላት ተሳተፍቲ ኣኼባ፣ በታ ናይ ሓባር ተዛታይት (ኣወሃሃዲት) ኣካል ዝቐረበሎም መብርሂ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፣ ነቲ ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕን ንመጻኢ ክንጸር ዝገበኦ መስርሕ ሓድነትን ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣባላት ናይታ ኣወሃሃዲት ኣካል ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎም። ድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፣ ሎሚ ኣብዚ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣስጋእን ኩነታት ዘለዉሉ ኣገዳስነት ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ኣነጺሮም። ተታሒዙ ዘሎ መስርሕ ሓድነት ክልተ ውድባትና፣ ካብ ሕሉፍ ናይ ተኣኪብካ ብዘይመሰረታዊ ምኽንያት ምብታን ተመኩሮ ተማሂሩ ንድሕሪት ክምለስ ብዘይክእለሉ ኣገባብ ክተሓዝ ከም ዝግበኦን ነዚ ንምዕዋት ግቡኦም ንምፍጻም ድሉዋት ምዃኖምን ብምጥቃስ፣ ዕዙዝ ድልውነቶምን ለበዋኦምን ኣቕሪቦም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምፍንጫላት ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ርኢቶ ፍልልይ ዘይኮነ፣ ኣብ መን መረሐን ካለኦት ዘይመሰረታዊ ምኽንያታትን ዘተኮረ ምንባሩ ጠቒሶም፣ ድሕሪ ሕጂ “መን ይመርሕ?” ዝብል ሕቶ “ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎ” ብዝብል ክተሓዝ ከም ዝግበኦ ብንጹር ኣቐሚጦም። ብዘይካዚ መስርሕ ሓድነት ውድባት ብውሱናት መራሕቲ ወይ ተዛተይቲ ጥራይ ዝዕመም ከም ዘይኮነ ብምርዳእ፣ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ተዓጢቖም ክሰርሕሉ ድሉዋት ምህላዎም ኣነጺሮም። ተሳተፍቲ ኣኼባ ስምረት ክልተ ውድባት በይኑ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ እኹል ከምዘይኮነ ብምርዳእ፣ ካለኦት ኤርትራዊ ውድባትን ሰልፍታትን እውን ምእንቲ ሓድነት ክጽዕቱ እሞ እቲ መስርሕ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣካላት ብኣባልነት ዝዋስኡለን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባአን ሓጻይት ኣካልን እውን መስርሕ ምልላየን ወዲአን ስረሐን ጀሚረን ኣለዋ።

Last modified on Monday, 29 October 2018 20:34