ኣገዳሲ ምይይጥ ኣብ ፓልቶክ መንእሰያት ሰዲህኤ

2018-10-21 09:21:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2444 times

ኣቶ መድሃኔ ህብትዚ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፣ ብ20 ጥቅምቲ 2018 ኣብ መድረኽ ፓልቶክ መንእሰይ ሰዲህኤ “ንሓርነታ ዋጋ ዝኸፈልናላ፣ ንልኡላውነታ ዘድመጽናላ ሀገር፣ ሎሚ’ውን ንሓልዋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሰፊሕ ዛዕባ መብርሂ ሂቡ። ኣቶ መድሃኔ ኣብ መብርሂኡ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተጠልመ ናይ 1997 ሕገ-መንግስቲ፣ ኣብ ሕጋውነትን ሓደገኛነትን ናይቶም ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝብና ዝፍርሞም ዘሎ ዝተፈላለዩ ዝይብሩሃት ውዕላት፣ ዘይትካላውያንን ልሙሳትን ኣካላት መንግስቲ ኤርትራን ዓብላልነት ውልቀ መላኽን፣ ጐራሕ ሰላሕታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ድዩ ኪንኡ ዘመዓዱ? ወዘተ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መግለጺ ሂቡ።

ኣብቲ ድሕሪ መብርሂኡ ዝተኻየደ ምይይጥ፣ ሎሚ ህግደፍ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝፍርሞም ዘሎ ስምምዓት፣ ሕጋውያን ድዮም ኣይሕጋውያንን? ኣብ ዝብል ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ኮይኑ ሳዕቤናቶም ድሕሪ ውድቀት እቲ ጉጅለ ሓደገኛ ምዃኑ ተንጸባሪቑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ እቶም ንሓደ መንግስቲ ዘቑሙ ኣካላት፣ ሓጋጊ፣ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ኣለዉ ምባሎም ከም ዘጸግምን ኣለዉ እንተተባህሉ እውን ኣዝዮም ሃሲሶም ብውልቀምልክነት ከም ዝተዋሕጡ ጐሊሑ ዝወጸሉ ኩነታት ከም ዘሎ ኣብቲ ምይይጥ ተጠቒሱ።

ኣካይዳ ኣቶ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ጥራይ ድዩ? ወይስ ኪንኡ ዝምጠጠጥ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ? ዝብል ጉዳይ እውን ሰፊሕ ግዜ ዝወሰደ መመያየጢ ዛዕባ ነይሩ። ኣብዚ ምይይጥ ቀንዲ ሕልሚ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምቕጻል እዩ ዝብል ሓደ ርኢቶ ኮይኑ፣ የለን ኣካይዳ ኣቶ ኢሳይያስ ዝተሓላለኸን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ክወርድ ክድይብ ዝጸንሐ፣ ምስዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዘይግሉጽን ንግደ ህዝቢ ዝጐስን ኣካይዳ፣ ኪኖ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻል ህርፋን ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስግኣት የሕድር ከም ዘሎ ዝብል በቲ ካልእ ወገን ምዉቕ ክትዕ ተኻይድሉ። እቲ መስርሕ ኣዝዩ ጥቡቕ ምክትታል ከም ዘድልዮ ከኣ ናይ ሓባር ሓሳብ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ዝተረዳድእሉ ኣገዳስን እዋናውን ጉዳይ፣ ሎሚ ብፍላይ ብሰንኪ ዲክታቶር ኢሳይያስ፣ ብሓፈሻ ከኣ ብሰንኪ ጉጅለኡ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ሓደገኛ ምልክት ከም ዘርኢ፣ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ከኣ ዕድመ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ካብዚ ንላዕሊ ከይሳዕረረ፣ ምሕጻሩ መተካእታ ከም ዘይብሉ ብምጥቃስ ንሓቢርካ ምቅላሱ መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም።

Last modified on Sunday, 21 October 2018 11:38