Print this page

ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ሓቢሩ ክሰርሕ ዝተረዳድአ ሰሚናር ሽቱትጋርት

2018-10-16 22:47:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2670 times
Rate this item
(0 votes)

13 ጥቅምቲ 2018 ብኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ዝተመርሐ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት፡ ጀርመን ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ እታ ንኣብ ጀርመን ዝርከባ ፖለቲካዊ ውድባት ንምውህሃድ ተባሂላ ዝቖመት ግዝያዊት ኮሚቴ እውን ተኻፊላ ነይራ።

 

ኣኼባ፡ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ብናይ ምስጋናን ቃላት ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ኢዩ ተኸፊቱ።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ዓለምና፡ ዞባና፡ ሃገርናን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ገምጋምን ትንታነን ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2 ጥቅምቲ 2018 ኣብ በርሊን እትተኻየደ ዋዕላ ደለይቲ ፍትሕን ውጽኢቱን ንኣኼበኛታት ሓቢሩ።

 

Suttgart Public 1

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሰዲህኤ ንሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምርግጋጽ ዝቃለስ ሰልፊ ስለዝዀነ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ መንጐ ኤርትራን ሰላም ክሰፍን ድሌቱን ባህጉን ምዃኑ ገሊጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ምፍታሑ፡ ንተቓወምቱ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ብሰላማዊ ኣገባብ ክቃለሱ ምፍቃዱን ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምቕባሉን ብርግጽ ሰላም ንምስፋን ዝሕግዝ ኣወንታዊ ስጕምታት ምዃኑ ኢዩ ዝርኢ ኢሉ።

 

 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ግን፡ ንሰላም ዘይኰነስ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል፡ ንተቓወምቱ ኣብ ምእሳር፡ ንጕዳይ ዶብ ምሕንጻጽ ብዝምልከት ንዘይተወሰነ ግዜ ተወንዚፉ ክጸንሕ ብምስምማዕ፡ ተቓወምቱ ንዝዋስእሉ ባይታታት ከስፍሕ ዘይኰነስ ከጽብብ፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ዘድፍር ስምምዓት ክገብርን ናይ ግዳም ሓይልታት ወተሃደራዊ መደበራት ክድኩንን ኢዩ ዝርከብ ዘሎ ኢሉ።

Suttgart Public 2

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግሃድ ዘሎ ሓድሽ ምዕብልናታት፡ ምስ’ቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዓለምናን ዝካየድ ዘሎ ናይ ረብሓን ጽልዋታትን ናይ ምስፋሕ መደባት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እውን ብዝርዝር ገሊጹ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ክንዲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ስዑድያ ከይዶም ምፍርራሞም፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ግዳማዊ ድርኺትን ተጽዕኖን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

እዚ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ግልጽነት ብዝጐደሎ ኣገባብ ብስቱር ዝኽይድ ዘሎ ስምምዓትን ውዕላትን፡ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ዘምርሕ ሓደገኛ ጕዕዞ ምዃኑ ድማ ኣስሚርሉ።

Suttgart Public 3

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ካብ’ዚ ሻቕሎት’ዚ ተበጊሱ፡ ነቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት ክቃወምን ክጠራጠርን፡ ዶብና ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ግብሪ ክውዕል ክጠልብን ኢዩ ዝርከብ ዘሎ ኢሉ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ነቲ ስርዓት ዓው ኢሎም ዝቃወሙ ዘለዉ ከም በዓል ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ተጋ. ብርሃነ ኣብርሀ ዘለዎ ናእዳን መጐስን ድማ ገሊጹ።

 

ንግዝያዊት ሽማግለ ምውህሃድ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ጀርመን ወኪሉ መግለጺ ዝሃበ ሓው ክብርኣብ ምስግና ድማ፡ እቲ ካብ ፈስቲቫል ፍራንክፈት 2018 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጐ’ቶም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ዝተኻየደ ርክባትን ተበጺሑ ዘሎ ኣወንታዊ ስምምዓትን ብዝርዝር  ኣብሪሁ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ተሳቲፍሞ ዝነበሩ ኣባላት እታ ሽማግለ እውን ተወሳኺ መብርሂታት ሂቦም።

Suttgart Public 4

ኣብ መወዳእታ ካብ ኣኼበኛታት ዝቐረበ ርእይቶታት ብሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ክብርኣብ ምስግናን መልስታት ተዋሂቡ።

 

 

ኣኼበኛታት፡ ነቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝኸዶ ዘሎ ንህዝብና ዝበታትንን ንልዑላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ጕዕዞ ተቓወምቱን ኰነንቱን ምዃኖም ደጋጊሞም ኣረጋጊጾም። ዶብና ብዘይ ቅድመ ኵነትን ብዘይ ውዓል ሕደርን ክሕንጸጽ ድማ ጸዊዖም። ከምኡ’ውን፡ ብተቓወምቲ ውድባት፡ ሰልፍታትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ኣብ ጀርመን ዝካየድ ዘሎ ምቅርራባት ደገፍቱ ምዃኖምን ንምዕዋቱ ኵሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ምዃኖምን ተመባጺዖም። ንዋዕላ በርሊንን ውጽኢትን ድማ ኣድናቆቶም ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብኡ ተመዚዛ ዘላ ግዝያዊት ኮሚቴ ብዕቱብነት ክትተሓሓዞ ተላብዮም።

Suttgart Public 5

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ መዛዘሚ ቃሉ፡ “እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝርኣኽዎ ኣኼባታት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ኣርኣእይኡን ገምጋሙን ኣብ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ሓደን ዝሰመረን ምዃኑን ኢዩ። ብሓሳብ ደረጃ ኣብ ሓደ ምምጻእ ማለት ድማ፡ ሓቢርካ ብግብሪ ንምውሳእ ዘኽእል በሪ ስለዝዀነ፡ ብወገናይ ኣዝየ ሕጉስ ኢየ” ኢሉ።

 

ኣኼበኛታት እውን ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ይኹን ኣብ’ቲ ንድራር ተባሂሉ ዝቐረበ መግቢ እናበልዑ፡ ሓጐሶምን ተስፋታቶምን ይገልጹ ነበሩ። ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ስውኣት ተዛዚሙ።

Last modified on Wednesday, 17 October 2018 01:03