Print this page

ጨንፈርቁ. 2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ሃገር ሽወደን ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

2018-08-26 20:31:03 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2906 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ፈ. ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም ናይ ዓመተ 2017 / 2018 ብምላኣት ተሳታፍነት ዕዉት ጉባኤ ኣሳላሲሎም። ጉባኤ ብኣቦ ወንበር ጨንፈር ብሰላምታ ብቅዳም ከፊቱ ኣጀንዳ ጉባኤ ኣርገኤ። ቀጺሉ ስሪዒታውን ፖሊቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ብሽማገለ ጨንፈር ቀሪቡ፡ ንጉባኤ እትመርሕ ሽማገለ መሪጹ። ጉባኤ ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ክትዕን ተወሳኽን ለወባታትን ቀሪቡ ጸብጻብ ብሙሉእ ድምጺ ጸዲቁ። ድሕሪኡ ብሓጻይት ሽማገለ ዝቀረቡ 3ተ ሕጹያት ጉባኤ ብምሉእ ተቀባልነት ተዋሂቦም ንዕመተ 2018 / 2019 ዓ.ም. እትመርሕ ሽምገለ መሪጾም። ጉባኤ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ ብዝገጠሞ መሰናኽላት ጨንፈር ቁ. 2 ትካላውን ሕጋዊ ኣሳራርሓን ዘሎዎ ነቅ ዘብል ንቅሓት ዝውንን ምዃኑ ዘመስከረ ኮይኑ እቲ መሪሕነት ሰልፊ ዝወሰዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ይንእድ። ብቀጻሊ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዝበሃል ዘሎ ሰላም ዘይብሩህን ሓደገኛ ኣሰካፍን ምኳኑ ተመልኪቱ። ብተደራቢ ንኩሉ ተርእዮታ ንምግጣም ብሓብር ምስራሕ ምኻኑ ኣሚኑ እቲ ብሰልፍና ተኣዊጁ ዘሎ ምስ ኩለን ደምበ ተቋውሞ ክሰርሕ ጉባኤ ኣስሚሩሉ። ኣብ መደምደምታ ንመስዋእቲ ዙሁር መሓመድ ስዒድ ኩሉ ፡ በዓልቲ ቤቱ ንተጋላይ ኣቦ ሰውራ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ዝተስምዖም ጓሂ ብምግላጽ ናይ ሓዘን ተኻፈልቲ ምኳኖም ብምግላጽ ጉባኤ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።

Last modified on Sunday, 26 August 2018 22:36