Print this page

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ተቓለስቲ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ኣበርቲዖም ንክሰርሑ ኣብ ፈስቲቫል 2018 መጸዋዕታ ኣቕሪቡ

2018-08-08 07:40:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2955 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2018 ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋ ንምውጋድ ብሓባር ንክሰርሑ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ንሱ ናይዚ ዓመት ህጹጻት ኣጀንዳ ደለይቲ ፍትሒ ክልተ እየን ንሳተን ከኣ፡ ኩነታት ተቓውሞ ኤርትራ ምምዕርራይን እዚ ዝረአ ዘሎ ጽልሙት ዝምድና መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምዃኖም ጠቒሱ።

Festival Chairman Speech 2

ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ኤርትራ ካብ ኩሉ ግዜ ዝኸፈአ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡  ህልዊ ዓለም ለኻዊ ምዕባለ ደህሲሱ ዝያዳ ከኣ ኣብቲ ንከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝጸሉ ጉዳያት ኣተኲሩ። ብፍላይ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ብሳዑዲ ዓረብያን መሕዙታን ዝምራሕ ጉዳይ የመን ኣስፊሑ ገሊጹ።

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዛዕባዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጥን ዝሓለፈ ጌጋታት ንምእራም ዝተወስደ ስጉምትታትን  ሕጽረታት ናይቲ ፈደራላዊ ምምሕዳርን ብዝምልከት ኣስፊሑ ገሊጹ። ካብቲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ውሳነታት፡ ብዘይቅድመ ኩነት ምቕባል ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ዶብን ንምትግባር ዝተራእየ ትብዓትን እቲ ቀንዲ ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ኩሉ ግና ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባቲ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስን ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝብን ብዝብል ዝውሰድ ዘሎ ህዉኽን ዘይእመንን ስጉምትታት ዝሓደሮ ስኽፍታ ኣይሓብአን።

Festival Chairman Speech 3

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ኣገባብ ዕድመ ወጽዓ ኣብ ኤርትራን ንምንዋሕ ዝተማህዘን ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድን ምዃኑ ኣገንዚቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ስላም ውግእ ብዘይምህላው ጥራይ ዝግለጽ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብኩራት ልዕና ሕጊ፡ ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን ካልኦትን ኣብ ኤርትራ ከምዘየለዉ ኣመልኪቱ።

Festival Chairman Speech 4

ኣቶ መንግስተኣብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ተሃዋስን ብርግጸኝነት ንከባቢና ብኣሉታ ዝጸሉን ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ዘሎ ኮይኑ ንምፍዋሱ ከኣ ዝለዓለ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ከም ዝሓትት ንተሳተፍቲ ገሊጹ

Festival Chairman Speech 5

ብዘይካቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልና እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግቡእ መልክዑ ምትሓዝ ዘድሊ ዘይጥርኑፍ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ምዃኑ ኣቶ መንግስተኣብ ኣብዚ መደረኡ ገሊጹ። ንሱ ኣስዒቡ እቲ ምርጫታት ምህላው ወይ ዘይምህላው ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሃገር ናይ ምድሓን ስጉምቲ ንክንወስድ ግዜ ከምዘይብልና ኣስፊሩ። ወይ ሕጂ ስጉምቲ ምውሳድ ወይ ድማ ዘይምህላው ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ምርጫታት እዮም ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ መደረኡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደ ዘድምዕ ሃገራዊ ሓይሊ ንክምስረት ብምጽዋዕ መደረኡ ዛዚሙ።

Last modified on Wednesday, 08 August 2018 09:53