Print this page

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ኣጋይሽ ኣብ ምቕባል

2018-08-02 22:42:36 Written by  Festival committee Published in EPDP News Read 3377 times
Rate this item
(0 votes)

“ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስሞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ምስንዳእ ዝጸንሐ፡ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ምድላዋቱ ወዲኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ደንማርክ፡ ፈረንሳ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣመሪካን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጀርመንን ዝመጹን ዝመጻን ኣጋይሽ ምቕባል ጀሚሩ ይርከብ። ብዘይካዚ ክልተ ካብቶም ንሕና ምስ ህዝብና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ተራኺብና በታ እንኽላ ሞያ ከነሐጉሶ ድሉዋት ኢና ዝበሉ ኣባላት ኪነት እውን ካብ ስዊዘርላንድ ፍራንክፎርት ምብጽሖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ካብዚኣቶም ሓው ዓሊቶ ኣርባዕተ ካብ ቋንቋታት ኤርትር መሊኹ ዝጻወት ከምዝኮነውን ተገንዚብና ኣለና።

ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ እንተኮነ እውን ብዕለት 02.08.2018 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቦታ ፈስቲቫል ተረኪቦም፡ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ገይሮም እቲ ዝግባእ ምስንዳእ ከምዘጠናቐቁን፡ ቁጽሪ ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን፡ ወሲኩ ምህላዉን፡ ናይቶም ብኣካል ክሳተፉ ዘይካኣሉ ማሕበራትን ትካላትን ድማ ብጽሑፍን ብቃልን ዝተሰነ ናይ ደገፍ መልእክትታት ዝመጸ ምህላዉ ብምግንዛብ፡ ኣብተዳልዩ ዝጸንሐ ፕሮግራም ፈስቲቫል ምምሕያሻት ገይሮም ከምዘለዉ ተነጊሩ።

ኣብ ተክኒካውን ምምሕዳራውን ጉዳያት እንተኮነ’ውን፡ ኣደራሽ ተሰሪዑ፡ ንፈስቲቫል ዘድሊ መዘናግዒ ንብረት ኣብ ክልተ ኣደራሻት ተዳልዩ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2018 ብጽቡቕ የራኽበና!!

ቦታ ፈስቲቫል፡ Merton str. 26 – 28

Frankfurt am Main- Bockenheimer warte.

Last modified on Friday, 03 August 2018 00:46