Print this page

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን መብርሂ ሂቡ

2018-07-08 10:27:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3079 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ብ7 ሓምለ 2018 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ኣብዚ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣብዚ ኩነታት ግደ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ መሪሕነት ሰዲህኤ ነቲ ምዕባለ በብደራጃኡ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣረዳድኣ መሪሕነት ሰዲህኤ ኣብዚ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ምስ ዘርዘረ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ዕላማ ከኣ ኣባላት ሰልፊ ነቲ ሚዛን ዝያዳ ንከህብትምዎ መድረኽ ምኽፋት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎን ኣብ ኤርትራ እውን ጽልዋ ዘሕድር ምዕባለ ድፍኢት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ከም ዝጸንሐን መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጡ ንክርኢ ከም ዘገደዶን ገሊጹ። ካብቲ ምዕባለታት እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ እቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምብርባሩ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ኩነታት መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ልኡለውነትና ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ከይተሓንጸጸ ኣይዛተን እየ ክብሎ ዝጸንሐ ጐስዩ፡ ኣብቲ ካልእ ክሕሰሞ ዝጸንሐ ኣገባብ ምድሃቡ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣካይዳኡ ናይ ሓሶት ምንባሩ ዝተቓለዓሉ ኩነታት ከም ዝተጋህደ ኣብሪሁ። እዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኩሉ ግዜ ቀዳምነቱ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ከም ዘርኢ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ ኢሉ። ምስዚ ኣተሓሒዙ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ተሓቢኡን ንናይ ህዝብና ናይ ሰላም ህርፋን መዝሚዙን ዝኸዶ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንሕና ግና ከም ወትሩ ምስ ህዝብና ኮይና ልኡላውነት ሃገርናን ቀጻሊ ሰላም ህዝብናን ንምርግጋጽ ቃልስና ቀጻሊ እዩ ኢሉ።

ብጻይ መንግስተኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብብን ብዘይቅመ ኩነታ ምቕባሉ፡ እሱራት ምፍትሑ፡ ንተቓወምቱ መድረኽ ምኽፋት ብዝምልከት ዝወሰዶም ስጉምትታት ኣውንታዊ ምዃኖም ጠቒሱ፡ እቲ ምስኡ ክዛመድ ዝደልዮ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣንጻር ኩሎም እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወዱ ስጉምትታት ስለ ዝኾነ ናይቲ ዝምድና ቀጻልነትን ኣድማዕነትን ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ከም ዘዘራርብ ብምጥቅስ፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ምርካብ ግና ሰዲህኤ ዝድግፎ ጥራይ ዘይኮነ ክቃለሰሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብጻይ መንግስተኣብ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ሓድሽ ምዕባለ ከይተራእየ’ውን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓባር ንክሰርሕ ደጋጊሙ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ብሰፊሑ ኣብሪሁ፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ከኣ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ብሓባር ንክንሰርሕ ዝያዳ ከም ዝድርኽን ሰዲህኤ ብኣኡ መሰረት ጸዋዒቱን ጻዕሩን ክቕጽለሉ ምዃኑ ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ በቲ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ክጥለም ክነብር ከምዘይግበኦ ተረዲኡ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ከዛይድ ግዜኡ ምዃኑ ጸዊዑ።

ነዚ እዋናዊ መግለጺ ብጽምና ዝተኸታተሉ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ናይ መሪሕነት ናይ ክሳብ ሕጂ ኣተሓሕዛ ንኢዶም፡ ንመጻኢ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦም ጉዳያት ሓቢሮም። ተሳተፍቲ ዝያዳ ዘተኮርሉ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተሓቢእሉ ዝጸንሐ መመሳመሲ ራሕሪሑ ኣብ ካልእ ኣጀንዳ ዝኣትወሉ ዘሎ ኩነታት ብሓባር ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ብምጥቃስ እዚ ኣድማዒ ክኸውን ንሓቢርካ ምስራሕ ዝምልከት ሓሳብ ሰዲህኤ ካብ ወረቐት ናብ ግብሪ ዝሰግረሉ ኩነታት ንክፍጠር ካብኣቶም ዝደለ ዘበለ ከበርክቱ ድሉዋት ምህላዎም ኣነጺሮም።

ኣብ መወዳእታ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ገምጋም መሪሕነት፡ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ሓደ ዓይነት ርኢቶ ከም ዘለዉ ዘመልክት ምዃኑ ጠቒሱ፡ መሪሕነት ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝቐረበ ሃናጺ ሓሳባት ብግቡእ ክሰርሓሉ ምዃኑ ብምጥቃስን ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ደገፍ ወትሩ ቦታኡ ምዃኑ ከም ዝተኣማመን ብምጥቅስ ኣኼባ ዛዚሙ።

Last modified on Sunday, 08 July 2018 12:33