Print this page

መግለጺ ሓዘን ስዉእቲ ተጋዳሊት ጽሃይቱ በራኺ

2018-05-27 18:10:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2806 times
Rate this item
(0 votes)

ስዉእቲ ኣዴናን ሓብትናን ጽሃይቱ በራኺ፡ ቅድሚ ናብ ገድሊ ምስላፋ፡ በቲ ዘለዋ ናይ ሙዚቃ ክእለት፡ ንመንእሰያት ናይ 70ታት ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምሕዳር ዓቢ ግደ ተጻዊታ ኢያ። ኣብ ማአሰርቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝርከብ ናይ ቀደም ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ቅድሚ ምስላፉ፡ ስም ጽሃይቱን ደርፋን ክደጋግም ኢዩ ዝስማዕ ነይሩ።

ስውእቲ ሓርበኛ ጽሃይቱ በራኺ፡ ንመንእሰያት ኣበራቢራ ንሜዳ ሰዲዳ ንሳ ኣብ ገዝኣ ኮፍ ኣይበለትን። ብ1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፋ፡ ሃገራዊ ጕባኤ ክትፍጽም ደኣ ተራእየት። ምስ ሃገራዊ ክፍሊ ሙዚቃ ናይ ተሓኤ ኰይና፡ ንህዝብን ሰራዊትን ዘልዓዕል ደርፍታትን ሙዚቃታትን ኣበርኪታ ኢያ።

ስውእቲ ጽሃይቱ በራኺ ብኣካል እኳ ካባና እንተተፈልየት ብመንፈስን ብዘበርከተቶ ግደን (ሲዲታት፡ ቪድዮታት) ምስ ህልዊ ይኹን ስዓቢ ወለዶታት ክትዝከር ክትነብር ኢያ።

በዚ ኣሕዛኒ ኣጋጣሚ’ዚ ንስዉእቲ ጽሃይቱ በራኺ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፤ ንቤተሰብ፡ ኵሎም መሓዙታ፡ መሳርሕታን መቓልስታን ዝነበሩ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሉ ድማ የውርደልኩም እናበልኩ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፍ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ከምዝዀነ ክገልጽ እፈቱ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

27 ግንቦት 2018

Last modified on Sunday, 27 May 2018 20:12