Print this page

ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ

2018-05-21 09:55:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3859 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ምስ ልሳናት ሰዲህኤ መርበብን መጽሐትን ሓርነት ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብ ቃለ-መጠይቑ ንዝቐረብሉ ሕቶታት ኣገዳሲ መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ

ሕቶ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ብኸመይ ትገልጾ?

መልሲ፡ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት በዛ ሓጻር ቃለ-መሓትት ዝውዳእ ኣይኰነን። መጽሓፍቲ ጽሒፍካ እውን እንተተኻኢሉ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ናጽነት ንምርግጋጽ፡ ህይወቱ፡ ገንዘቡ፡ ንብረቱ፡ ጥሪቱን ንሰውራኡ ምብርካቱ ብጥቕልል ዝበለ ኣገባብ ንግዲኡ ይገልጾ ይኸውን ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝወለዶምን ዝወለደንን ብሉጻት ደቁ ንመስዋእቲ ኣወፍዩ፡ ንተጋደልቱ መግቢ፡ ማይ፡ መዕቆቢ ብምሃብ ዓንጊሉ። ንዝተሰውአ ቀቢሩ፡ ንዝቖሰለን ዝሓመመን ድማ ተሰኪሙ ናብ ዝድሕነሉ ቦታታት ኣብጺሑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ምንቅስቓስ ባዕዳዊ ጸላኢ ተኸታቲሉ ንሰውራኡ ይሕብርን ኣብ ውሽጢ ከተማታት ንዝካየድ ስርሒታት መጽናዕቲ ኣዳልዩ የቕርብን ነይሩ። ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ትምህርቶም፡ ስርሖም፡ ወለዶም፡ ሓዳሮም ገዲፎም ናብ ሰውራኦም ተጸንቢሮምን ተጸንቢረንን። ን30 ዓመታት ድማ ንባዕዳዊ ገዛኢ ዕጡቕ መኸተ ገይሮም። እቶም ኣብ ሜዳ ክስለፉ ዘይከኣሉ ድማ፡ ነቶም ተጋደልቲ ኣብ ምሕብሓብ ኵሉ ካብኦም ዝጥለብ ኣማሊኦም። ሰብ ማል ብገንዘቦም፡ ሰብ ክእለት ብኽእለቶም፡ ንቓልሶም ምእንቲ ናጽነት ብዙሕ ኣበርኪቶም።

ጥሪት ህዝቢ፡ ማለት ኣግማሉ፡ ኣእዱጉ፡ ኣብቃሉን መኻይኑን ሰራዊት፡ ኣጽዋር፡ መግቢ፡ ማይ፡ መጽሔታት፡ ውጉኣት፡ መድሃኒታት፡ ነዳዲ ወዘተ… ኣብ ምጽዋርን ምብጽጻሕን ዓቢ ግደ ኢየን ኣበርኪተን።

ሓረስታይ ኤርትራ ብሓደ ኢዱ ማሕረሻ ብኻልኣይ ኢዱ ከኣ ብረት ሒዙ ኣብ ጐድኒ ደቁ ተዋጊኡን ወዲቑን ኢዩ።

ኤርትራውያን ምሁራት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንሰውርአን ምስ ዓለም ኣብ ምልላይ፡ ንባዕዳዊ ገዛኢ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታት ኣብ ምቅላሕን ዓቢ ግደ ተጻዊቶም ኢዮም።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝነበሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታትን ስደተኛታትን ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ገንዘቦም፡ ጕልበቶምን ክእለቶምን ኣወፍዮም ኢዮም።

ናጽነት ኤርትራ እምበኣር፡ ብደረት ዘይብሉ ተሳትፎን ኣበርክቶን ህዝቢ ዝተረጋገጸት ደኣ’ምበር፡ ብሓደ ውድብ ወይ ሓደ መሪሕነት ወይ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረጋገጸት ኣይኰነትን። ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝገበሮ መደረ ካብ መደረታቱ፡ ንሕና ንቀልዓለም ኢልና ኢና ናጽነት ኤርትራ ህዝቢ ኣምጺእዋ ንብል እምበር፡ ብሓቂ ክንዛረብ እንተደኣኰይና ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ኣምጺእዋ ኢሉ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግጉይ ጥራሕ ዘይኰነስ ንተራ ህዝቢ ዝኽሕድን ዘናሹን ናይ ደለይቲ ስልጣንን ዝናን ባህርያት እውን ኢዩ። ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት ቃልሲ የለን።

ሕቶ፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ናጽነት መሪር ነይሩ ክንብል እንከለና፡ እቲ ምረቱ ብኸመይ ይግለጽ?

መልሲ፡ ብርግጽ፡ ጕዕዞ ንናጽነት መሪርን ነዊሕን ኢዩ ነይሩ። ውግእ ማለት ሞት፡ ስንክልና፡ ዕንወት፡ ስደት ኢዩ። ን30 ዓመታት ኣብ ጥሙይ ከብድኻን ዕሩቕ ዝባንካን ኣብ በረኻታት ምንባር ጥዑም ኣይኰነን። መንእሰያት ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ክስውኡን ክስንኩልን፡ ኣባይትን ዘራእትን ክበርሱን፡ ግዳይ ዓዛብን ማእሰርትን ምዃን ኣዝዩ መሪር ኢዩ። ክወልዱን ክዘምዱን ክምሃሩን ዝግብኦም መንእሰያት፡ ዕድሚኦም ኣብ በረኻታትን ኣብ ማእሰርትን ከብልዩ ዘሕጕስ ኣይኰነን።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ተመጣጣኒ ኣይነበረን። ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዝዓበየ ሰራዊት ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ሃገር፡ ሰራዊታ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ፡ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ሓያላን መንግስታት ዓለም ደገፍ ዝነበራ መንግስቲ ክትከውን እንከላ፤ ኤርትራ ግን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝወዳደር ብዝሒ ህዝቢ ይኹን፡ ዝምድና ምስ ዓለም ይኹን፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ይኹን ብዝሒ ሰራዊት ኣይነበራን። እቲ ግጥምያ ኮታ ኣብ መንጐ ጐልያድን ዳዊትን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ካብ’ዚ ኣገልልጻ’ዚ፡ ምረቱ ምግማት ዘሸግር ኣይመስለንን።

ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታት ዓለም ዓይና ዓሚታ፡ ኣፋ ለጒማ፡ ክትሓልፎ እንከላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቕን ዝእብድን መሓዛ ስኢኑ ንበይኑ ምስ ገለ ውሑዳት ደገፍቱ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ክኸዶ ከሎ ምረቱ ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ብዝኽሰት ናይ ሕድሕድ ውግኣት ዝቕዘፉ ዝነበሩ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ነቲ ብባዕዲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ተወሲኹ፡ ነቲ ቃልሲ የምርሮ ምንባሩ እውን ዝከሓድ ኣይኰነን።

እንተዀነ ግን፡ ሳላ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕላማታቱ፡ ሓያል ድሌት ንናጽነቱን መዘና ዘይብሉ ተወፋይነቱን ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ከምዝከኣል ብምግባር ነቲ ምረት ናይ’ቲ ቃልሲ ኣቕሊልዎን ከምዝጽወር ገይርዎን ኢዩ።

ሕቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ናጽነት ተጠቃሚ ኣይኮነን እንብል እንታይ ስለ ዝጐድሎ እዩ?

መልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንቓልሲ ዘበገሶ መሰረታዊ ምኽንያት፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዝነበረ ኵሉ መዳያዊ ጭቆና ማለት ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጭቆና ተናጊፉ፤ ሰላም፡ ፍትሒ ብልጽግናን ዝሰፈና ብግዝኣተ-ሕጊ እትምሓደር ቅዋማዊት ኤርትራ ንምህናጽ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ መዘና ዘይብሉ ዋጋን መስዋእትን ከፊሉ ኢዩ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ታ ዘረጋገጻ ናጽነት ዝረኸቦ ጥቅሚ እንታይ ኢዩ ዝብል ሕቶ እንተዝኸውን ንምምላሱ ዝቐለለ ምዀነ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ሓርነት ናይ መሬት ካልእ እንታይ ጥቕሚ’ዶ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ኤርትራ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ኰይና፡ ከም ልዑላዊት ሃገር ድማ ብዓለም ተፈሊጣ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ዝረኸቦ ረብሓ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ጌና ሓርነቱ ኣየረጋገጸን ዘሎ። ናይ ግዳም ባዕዳዊ ጭቆና ብናይ ወዲ ሃገር ጭቆና ኢዩ ተተኪኡ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ብሰንክ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲታት፡ ኤርትራ ምስ ኵለን ጐረባብታ ኣብ ውግእ ስለዝኣተወት፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ተሰዊኦምን ቆሲሎምን፡ ህዝቢ ድማ ካብ መረቤቱ ተፈናቒሉ። ኤርትራ፡ ሰላም ርግኣትን ቅሳነትን ዘይብላን ካብ ጐረባብታ ዝተነጸለትን ሃገር ኰይና። ገለ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ ኣሎ። ከምኡ’ውን፡ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ፡ ኣብ ድፋዓት ተጸሚዶምን ኣገልገልቲ ሹማምንቲ ህግደፍን ኰይኖም ንደረት ዘይብሉ እዋን ንእስነቶም ከብልዩን ናይ ባርነት መነባብሮ ከሕልፉን ይርከቡ ኣለዉ። ክመሃር፡ ክምርዖ፡ ክወልድን ክዘምድን፡ ሰሪሑ ንርእሱ፡ ንቤተሰቡን ሃገሩን ክጥውርን ዝግብኦ ሓይሊ ብኸንቱ ይባኽን ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኵሉ መዳያዊ ስእነት ኢዩ ዝሳቐ ዘሎ። ስእነት ፍትሒ፡ ስእነት ስራሕ፡ ስእነት ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት፡ ስእነት ማይ፡ መግብን መብራህትን፡ ስእነት ሰብኣዊ መሰላት ወዘተ ካልእ ብዙሕ ኣብ’ታ ሃገር ጐዲሉ ዘሎ ነገራት ምዝርዛር ይከኣል ኢዩ።

ኤርትራ፡ ብስእነት ግዝኣተ-ሕግን ቅዋምን ትፍለጥ ሃገር ምዃና ድማ ጽሓይ ዝወቅዖ ሓቂ ኢዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ገባርን ሓዳግን መንግስቲ ኢዩ። ህዝቢ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን፡ ብናጽነት ርእይቶኡ ናይ ምግላጽ፡ ብናጽነት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ፡ ብናጽነት ክእከብን ንዝደለዮ እምነት ክስዕብን ኣይክእልን ኢዩ።

ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ይበዝሓ ኢየን። ከም ቃንጥሻ እየን ዝበቝላ ዘለዋ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን። ኣትሓሕዛ እሱራት ከኣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ንክብሪ ወዲሰብ ዘይሕሉን ኢዩ። ኣብ ጐዳጕዲ ጽሓይ ከይርኣዩ ንነዊሕ እዋናት ዝጸንሑ፡ ብዘስካሕክሕ ናይ ምርመራ ኣጋባብ ዝግረፉ፡ ብርስሓትን ጥሜትን ነብሶም ክሳብ ዝጸልኡ ዝዀኑ፡ ኣብ ሸላታት ንበይኖም ዝእሰሩ …ወዘተ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓዛብ ኢዮም ዘሕልፉ። ቤተሰቦም ይኹኑ ጠበቓታት ወይ ድማ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክበጽሕዎም እውን ኣይፍቀድን ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሕሸሉ ኵነታት ኢዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

ሕቶ፡ ድሕሪ 27 ዓመታት ኣብ ናጽነት፡ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ብኸመይ ትገልጾ?

መልሲ፡ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ህግዲፍን ናይ መላኽን ተመላኽን፡ ጨቋንን ተጨቋንን፡ ናይ ጊላን ጐይታን፡ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝገልጾ።

ስልጣንን ጸጋ እታ ሃገርን ብምሉኡ ብጕጅለ ህግዲፍ ኢዩ ተገቢቱ። ህዝቢ መራሕቱ ክመርጽ ወይ ከውርድ፡ ንመራሕቱ ክነቅፍ ወይ ክእርም፡ ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዘሎ መንግስቲ ናይ ህግዲፍ፡ ብህግዲፍ፡ ንህግዲፍ ኢዩ። ወደባት፡ መሬት፡ ማዕድን፡ ንግዲ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ናይ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈረድን ስልጣናት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ስርዓት ህግዲፍ ኢዩ። ዋላ ናቕፋ እውን ኣብ ባንክታት ተኣሲሩ እቲ ስርዓት ኣብ ዝደልዮ መዓላ ጥራሕ ኢዩ ዝውዕል። ብሓጺሩ፡ ህዝቢ ኣነ ዝሓሰብኩልካን ዝበልኩኻን ግበር ኢዩ ዝበሃል ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ፍርሒ ኢዩ። ፍርሒ ካብ መንግስቲ፡ ፍርሒ ካብ ሕድሕካ፡ ንቡር ህይወት ኰይኑ። እንታይ ገደሰካ ስቕ ዘይትብል፡ እንታይ ገደሰካ ትቃወም ዝብሉ ቃላትን ምኽርታትን ናይ ዕለት መግቢ ኰይኖም ኢዮም። እቶም ነዚ ጭቆና’ዚ ክምክቱ ዝፍትኑ ዲሞክራስያውያን ድማ፡ ግደ ሞት፡ ማእሰርትን ስደትን ኢዮም ዝዀኑ ዘለዉ። ብሓጺሩ ህዝብን ህግዲፍን ሕቆን ከብድን ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ ብምባል ክጠቓለል ዝኽእል ይመስለኒ።

ሕቶ፡ ኣፍና መሊእና “ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ፍትሓዊ፡ መስዋእትነት ጀጋኑና ከኣ ክቡር ነይሩን እዩን” ከብሉና ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ንኣብነት እንታይ ትጠቕስ?

መልሲ፡ ኤርትራ፡ ከም ኵለን ግዙኣት ሃገራት፡ ጣልያን ምስ ተሳዕረ ናጽነታ ክትረክብ ዝነበራ ሃገር ኢያ። እንተዀነ፡ ብውዲት ናይ ሓያላን መንግስታት ኤርትራ ግዝእቲ ናይ ኢትዮጵያ ክትከውን ተገይሩ። ስለ’ዚ፡ ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ ብባህርያቱ ፍትሓዊ ኢዩ። ጭቆናን መግዛእትን ንምብዳህ ህይወቶም፡ ገንዘቦም ጕልበቶም ዝውፍዩ ጀጋኑ ድማ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኢዮም።

እዚ ከበሃል ከሎ ግን፡ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝነበሩ ስልጣን ምስ ሓዙ ገፋዕትን ጨቆንትን ኣይኰኑን ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ዝበዝሑ ንህዝቦም መሪሖም ናጽነት ዘረጋገጹ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ስልጣን ምስ ጨበጡ፡ ጨቆንቲ፡ ገፋዕትን ገበነኛታትን ኢዮም ኰይኖም።

ስለ’ዚ፡ ምእንቲ ናጽነት ህዝብኻ፡ ምእንቲ ሓርነት መሬትካ፡ ስራሕካ፡ ትምህርትኻ፡ ስድራቤትካ፡ ንብረትካ ገዲፍካ ንበረኻ ምውጽኣን ብዘይ ደሞዝ ወይ ብዘይካሕሳ፡ ህይወትካ፡ ንሞትን መቝሰልትን ገልታዕታዕን ከተወፊ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ምስክርነት ናይ ፍትሓውነትን ክብረትን እሞ ኣበይ ኢዩ ክርከብ።

ኣብ ርእስ’ዚ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኣብ ልዕሊ’ቶም ገዛእቲ ጕጅለን መጋበርያታቶምን ዘነጻጸረ እምበር ብሰውራና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደል ይኹን ግፍዒ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ ብሰንኪ ስስዑ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ቃልስና ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ናጽነት ዘለዎም ኣረዳድኣ ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። መንእሰያት ካብዚ ዝንቡል ኣረዳደኣ ወጺኦም ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ክፈልጡ ክኽእሉ እንታይ ትመኽሮም?

መልሲ፡ መንእሰያትና ይኹኑ ወይ ከኣ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዕድለኛታት ኣይኰኑን። ወለዶም ዝኸፈልዎ ክቡር ዋጋን መስዋእትን ደቆም ብኽብሪ ንኽነብሩ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብሰሪ’ዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ ዝተኸተሎ ፖሊሲታት መንእሰያትና ግዳይ ናይ ህልቂት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ጽልኢ፡ ድኽነትን ድንቍርናን ኢዮም ኰይኖም።

መንእሰያትና ተማሂሮምን ሰሪሖምን ህዝቦምን ሃገሮምን ከይጥውሩ፡ ኣብ ግንባራት ውግእን ኣብ ደረት ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”ን ንእስነቶም ከምዘብልዩ ተገይሩ። ካብ’ዚ ቀይዲ’ዚ ክወጹ ዝፈተኑ ድማ ኣደዳ ማእሰርትን ስደትን ኰይኖም።

መጻኢ ዕድሎም ምስ ጸልመቶም ድማ፡ ገለገለ ካብኦም ካብ ኣንጸርጽሮት ተበጊሶም፡ ብዛዕባ ናጽነትን መስዋእትን ሃገሮም ከማርሩን ኤረ ክንዮ ምምራር ከይዶም ክዅንኑን ተራእዮም ኢዮም። ነዚ ስምዒታት’ዚ መዝሚዞም፡ ንናይ ስልጣኖም፡ ጕጅላውን ውልቀሰባውን ረብሓታቶም ከውዕልዎም ዝፍትኑ ብጸላም ዝሰርሑ ሸነኻት ከምዘለዉ ድማ ክዝንጋዕ ኣይግባእን ኢዩ። ስለ’ዚ ኣትኵሮና ኣብ’ቶም ዘጋግዮም ዘለዉ ደኣ’ምበር ኣብ’ቶም ግሩሃትን ንጹሃትን መንእሰያት ክኸውን የብሉን።

ስለ’ዚ፡ መንእሰይ ከም ርሱን ሓይሊ መጠን፡ ክህወኽ፡ ክጋገ፡ ክወድቕ ክትንስእ፡ ንቡር ምዃኑ ተገንዚብና፡ ብቐዳምነት እቶም ተመኵሮን ፍልጠትን ብዛዕባ ቃልሲ ዘለና እሞ ንለውጥን ንፍትሕን እንቃለስ ዜጋታት ንመንእሰያትና ብጽሮት ከነረድኦምን ክንሕግዞምን ይግባእ።

ነቶም ኣዋፈርቲ ናይ’ቲ ግናይ ዕላማን ትልምን ዝዀኑ ገበርቲ እከይ ድማ ዓይንና ሰም ከየበልና ክንከታተሎምን ክንብድሆምን ይግባእ።

ብወገነይ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ዘሎኒ ምኽሪ፡ ኣብ ዝሃለኹም ትሃልዉ ንትምህርቲ ቀዳምነት ክትህቡ ይግባእ። ምኽንያቱ “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ከምዝብሃል፡ ዘይተማሀረ ዜጋ ንሃገሩን ህዝቡን ከማዕብልን ከልምዕን ኣይክእልን ኢዩ። ዘይተማህረ መንእሰይ ወራሲ ክኸውን ኣይበቅዕኝ ኢዩ። ልምዓትን ምዕባለን ከኣ፡ ብስነፍልጠት ደኣ’ምበር ብምጕብዕባዕ፡ ብምጽራፍ፡ ብምፍርራሕ፡ ብምንጽጻግን ብምፍልላይን ኣይረጋገጽን ኢዩ።

ናይ ሎሚ ወለዶ መንእሰያት፡ ጽባሕ ብዘምጽእዎ ፍርያት ኢዮም ክዕቀኑ። ስለ’ዚ፡ ንቕድሚኦም ዝጸንሐ ወለዶ ምንቃፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንድሕረይ ዝመጽእ ወለዶ’ኸ እንታይ ከጽንሓሉ፡ እንታይ ከውርሶ ኢሎም ክሓስቡ ይግባእ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ትማሊ ምንባር ዘይኰነስ ንቕድሚት ክጥምቱ የድሊ። እቲ መጻኢ ናቶም ምዃኑ ክዝንግዑ የብሎምን።

ዓበይትና ንኣሽቱና ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ጕዳይ ድማ፡ ቅንዕና ምስ መንእሰያት ጥራሕ ወይ ምስ ዓበይቲ ጥራሕ ከምዘየላ ክንርዳእ ክንክእል ኣሎና። ካብ መንእሰያት ቅኑዓት ኣለዉ ዘይቅኑዓት ኣለዉ፤ ካብ ዓበይቲ እውን ከምኡ። ስለ’ዚ፡ ብኣልማማ ንዓበይቲ ይኹን ንመንእሰያት ምኽሳስ ወይ ምዅናን ሃናጺ ኣይኰነን። ነንፍስወከፍ ሰብ ብተግባሩን ኣተሓሳስባኡን ክንፈርዶ ኣሎና። ኣልሚምካ፡ ንመንእሰይ፡ ንዓበይቲ፡ ንኣውራጃታት፡ ንብሄራት ንሃይማኖታት ምዅናን ዓዲ ስለዘየጋብር፡ ኵላትና ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ ኣሎና።

ናይ መወዳእታ ምዕዶይ ድማ፡ ንሕና በየናይ ራእዪ ንምራሕ ደኣ’ምበር በየናይ ሰብ ንምራሕ ከገድሰና የብሉን። ነቲ ፍትሓዊ ራእዪና ዘዐውት መራሒ፡ ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ፡ ክንስዕቦን ክንድግፎን ኢዩ ዝግብኣና።

ሕቶ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይንካ፡ ኩለመዳያዊ ሃለዋት ኤርትራ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብጻሑ፡ ኣብዚ እጃምን ሓላፍነትን ናብ ዘለዎም ኣካላት (ህዝቢ ኤርትራ፡ መንእሰይ፡ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ሰራዊት ኤርትራ) እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ?

መልሲ፡ ብቐዳምነት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብእጋጣሚ መበል 27 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ዮሃና እናበልኩ፤ ዝመጽእ ግዜ ናይ ሓጐስ፡ ስኒት፡ ፍቕሪ፡ ፍትሕን ራህዋን ዓመታት ክዀነልና ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጸልኩም እፈቱ።

ብምቕጻል፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኵነታት፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰይኖም ንለውጥን ንዲሞክራስን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ዜጋታት ክብ ዝበለ ደገፈይ፡ ናእዳይን መጐሰይን ክገልጸሎም እፈቱ። ብማእሰርትን ዓዛብን ከይተዳህሉ፡ ንድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኸፍልዎ ዘለዉ ክቡር ዋጋ መጐሱን ሞሳን ይግብኦም ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከም’ታ ናጽነት ኢሉ ሓደ ድምጺን ሓደ ግብርን ኰይኑ ዝተቓለሰ፡ ሎሚ ድማ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ዲሞክራስን ብሓድነት ክቃለስ ጻውዒተይ ከቕርበሉ እፈቱ።

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝወጻእኩም፡ ህዝብኹም ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራን ጠንቁን ኣይጠፍኣኩምን ኢዩ። ብመስዋእቲ ህዝቢ ብዝተረጋገጸ ናጽነት ውሑዳት ክጥዕሞም|፡ ዝበዝሑ ድማ ክሓስሞም፡ ሱቕ ኢልኩም ክትርእዩ ትጽቢትና ኣይኰነን። ከም ዘይፍለ ኣካል ናይ ህዝቢ፡ ሓደ ጐድኹም ክዓብር እንከሎ፡ እቲ ሓደ ጐድኒ ክሰብሕ ከምዘይክእል ተገንዚብኩም፡ ኣብ ጐድኒ ስቓይ ህዝብኹም ደው ክትብሉ ግዴታ ኣለኩም። ምስ ህዝቢ ዝተጸግዐ ውዒሉ ሓዲሩ ምዕዋቱ ስለዘይተርፎ፡ ብግዝያዊ ረብሓ ወይ ብፍርሒ፡ ተሰኒፍኩም ኣብ ኣገልግሎት ውሑዳት ምውዓል ጽባሕ ከጣዕሰኩም ኢዩ’ሞ ሕሰብሉ ደኣ። ንስኹም ንሃገር እምበር ንሓደ ምምሕዳር (government) ክትሕልዉ ምኣስ ቈምኩም። መራሕትኹም ንጽባሕ ዘነባብሮም ገንዘብ ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክ ኢዮም ዝእክቡ ዘለዉ፤ ንስኹም ግን፡ ሑጻን ማይን መታርፍቲ ከምዝብሃል፡ ምስ ህዝብኹም ተረፍቲ ኢኹም።

ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ደምበ ተቓውሞ ድማ፡ ካብ’ዚ ዘሎ ናይ ጋም ማን ሃለዋት ንምውጻእ፡ ንዝሓለፎ ንቕድሚት ዘየጓዕዝ ኣብ ሕሉፍ ዘትኰረ ናይ ሕድሕድ ምውጣጥ ተመኵሮ ተማሂሩ፡ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዘገድስ ዓበይቲ ሃገራዊ ዕላማታት ክጽመድ ክምሕጸኖ እፈቱ።

ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝብና ሎሚ ነቲ ዘሎ ስርዓት ፎእ ኢልዎ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ብዓቐን እናበረኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ጸገም ግን፡ ዝመርሕ ውዱብ ኣካል ምስኣኑ ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ ንምስካም ተቓወምቲ ሓይልታት ብቐዳምነት ንነብሶም ካብ ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባን ጾርን ሓራ ከውጽእዋ ይጥለቡ ከምዘለዉ ክግንዘቡ ይግባእ።

መንእሰያትና ድማ፡ ኵሉ ዓቕሞምን ሃሞምን ንረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ከውዕሉን፡ ንነብሶም ብትምህርትን ብስራሕን ክህንጹን፡ ክምዕዶም እፈቱ። ስደት መዋጽኦ ሽግርና ከምዝይኰነ ተገንዚቦም፡ ንጠንቂ ሽግርና ካብ ስሩ ንምምሓው፡ ኣብ መንጐ ህዝቦም ኰይኖም ክቃለሱ ድማ እላበዎም። ብስደት መንእሰያት ዝርብሑ እንተልዮም ነጋዶ ደቂ ሰባትን ሰበልጣን ኤርትራን ጥራሕ ኢዮም።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

የቐንየለይ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Last modified on Monday, 21 May 2018 12:07