Print this page

ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር ምስ ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ተራኺቡ

2018-05-17 17:01:01 Written by  Published in EPDP News Read 3781 times
Rate this item
(0 votes)

ኣካያዲት ሽማገለ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር (ኤርትራ ኣብ ልብና) ብዕለት 16 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 15.00 ክሳብ 16.00 ምስ ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ኣን ሶፊ ሀርመንሶንን ምስ ፖሊቲካዊ ሰክረተር ኣብ ስራሕትን ትምህርትን ንሓደስቲ ስደተኛታት ተቀማጦ ዮተቦርግ መንእሰይ ዮሴፍ ኣካር ኣገዳሲ ምይይጥ ኣካይዶም።


ኣቦ ወንበር ማሕበር ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ድሕሪ ዕላማን ንጥፈታት ማሕበር ንሓደስቲ ኤርትራውያን ዝህብዎ ነጻ ኣገልግሎት መእተዊ ገይሩ 5ተ ኣገድስቲ ንኤርትራውያን ዘሸግሩ ዘሎዉ ሕቶታት ማለት፡

1. ጉዳይ ስእነት መንበሪ ገዛቲ።

2. ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤትን መሰናኽላቱን።

3. ጉዳይ ናይ ሃገር ሽወደን መንነት ንምርካብ ዝጥለብ ዘሎ ግዳዴ ።

4. ጉዳይ ጌጋታት ተርጎምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ከተማ።

5. ኣብ ምትእትታው ዝርከብ ብደረጀ ኤውሮጳ ዝብል ናይ ስደተኛታት ሓዲስ ሕጊ ….. ንኩሎም ንኤርትራውያን ቀዋሚ ፍቅድ ዝተዋህቦም ዝጋጠሙ ዘሎዉ ሽግራት ሓቢሩ። ቀጺሎም ሓው ጸሃየ ቀለታ ሓው ኣምጀድ ያስሲንን ኤርትራውያ ብብዝሒ ኣብ ሳልሳይ ቦታ ከም ዝኾኑን ነዚ ዘከተለ ከኣ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪር ሓደገኛ ግጉይ ምምሕዳርን ከቢድ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ንቡርን ብዘይ ብቅሳነት ይነብሩ ከም ዘየለዉ ብግብራዊ ጭብጢ ተረኽቦታት ብምጥቃስ ኣብሪሆም። ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ኣን ሶፊ ምስ ኤርትራውያን ቦኽሪ ርክባ ምኻኑን ብተገዳስነት ማሕበር ንጥፈታቱን ኣድኒቃ ንዝቀረቡ ሕቶታት ንዓኣ ሓደስቲ ምኳኖም ሓቢራ ምስ ዝምልከተኦም ብዝከኣላ ኣብ ግምት ከተእትዎ ምዃና ቃል ኣትያ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት መበል 27 ዓመት እውን ደስ እናበላ ክትሳተፍ ምኻና ሓቢራ። መንእሰይ ዮሴፍ ብወገኑ ርክብ ኤርትራውያን ንሳልላይ ጊዜ ምዃኑ፡ ምስ ዮናስ ኣተንዩስ ሓላፊ ናይ ትምህርትን ስራሕን ቅድሚ ሕጂ ርክብ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ፡ ገለ ካብኡ ኣፍልጦ ከም ዘሎዎን ብጉዳይ ናይ ሽግር ገዛ ልዕሊ 60.000 ገዛውቲ ክህነጽ ምምሕዳር ከተማ መዲቡ ከም ዘሎን፡ ቋንቋ ቀሲምካ ንስራሕ ምርካብ ሽግር ከም ዘየሎ ኣብሪሁ። ኣብ መደምደምታ ገለ ገለ ሕቶታት መሊሱ ንቀጻሊ ተማሳሳሊ ርክብ ክቅጽል ተላብዩ። ኣቦ ወንበር ቶማስ ማንግሶን ንምምሕዳር ክተማ ዮተቦርግ ንጽቡቅ ኣቃባብላን ተገዳስነትን ኣመስጊኑ ኣኼባ ተዛዚሙ።

Last modified on Thursday, 17 May 2018 19:08