Print this page

ስርዓት ህግደፍ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ከናቑት

2018-05-15 12:28:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2965 times
Rate this item
(0 votes)

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከርከበት ንዝርከቡ ነባራት ብስም ምጥርናፍ ዓድታት ካብ መረበቶም ምስ ኣፈናቐለ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተሃንጸ ዲጋ “ከተልምዑ ኢኹም” ብዝብል ምስምስ ካብ ርሑቕ ቦታታት ዘምጸኦም ሰባት የስፍር ከም ዘሎ ተፈሊጡ። እቶም ነዚ ብዝምልከት ሓበሬታ ዝሃቡ ምንጭታትና ከም ዝጠቐስዎ ክሳብ ሕጂ 1800 ዝኾኑ ሓደስቲ ኣብቲ ቦታ ከም ዝሰፈሩን እዚ ኣሃዝ’ዚ ናብ 3000 ክዛይድ ግምት ከምዘሎን ገሊጾም። እቲ ስርዓት ነቲ ኣብ ዋንነት መሬት ከጋጥም ዝኽእል ምስሕሓብ ንምብላሕ ነዞም ሓደስቲ ሰፈርቲ “መሕለው ነብስኹምን ንብረትኩምን” ብዝብል ጉልባብ ብረት የዕጥቖም ከም ዘሎ ከኣ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቶም ምርንጭታት እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓዲሽ ሰፋሪ ሓሓሙሽተ ፍዳን ዝዕደል ዘሎ መሬት ዋንነቱ ናይቶም ብጉልባብ ምጥርናፍ ዓድታት ዝተፈናቐሉ ነባራት ምንባሩ ተቒሶም፡ እዚ ህዝቢ ንህዝቢ ዘናቑት ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሩባ ገርሰት ናይ ምድጋሙ መደብ’ውን ተታሑዙ ኣሎ ኢሉም።

እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕጂ እውን “ከባቢኹም ክትሕልዉ” ብዝብል ደቂ ኩናማ ንበይኖም ከም ዝዕጠቑ ከም ዝገበረን ሕጂ ድማ ነዚ ፈላሊኻ ናይ ምትፍናን መደባቱ ንምስፋሕ ንደቂ ናራ ንበይንኹም ክትዕጠቑ ስለ እንደሊ ካባኹም ነቲ ዕጡቑ ክመርሑ ዝኽእሉ ምሁራትን ክኢላታትን ሃቡና ይብሎም ኣሎ። እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ህዝቢ እቲ ከባብታት፡ ብዋሕዲ ቀረብን ክብሪ ዋጋን ኣብ ዝለዓለ ናይ ጥሜት ሓደጋ እናሃለወ እዩ። ከም መርኣያ ናይቲ ክብሪ ዋጋ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ዋጋ ሓደ ኩንታል መሸላ 2000 ናቕፋ ወይ 4000 ጅኔ ሱዳን በጺሑ ኣሎ። ስራሕ ዘይምህላውን ብዘይ ክፍሊት ስረሓት መንግስቲ ክትዓምም ምግዳድን ከኣ፡ ነቲ ኩነታት መመሊሱ ከም ዘግደዶን ብሰንክዚ ህዝቢ ሃገሩ ለቒቑ ክስደድ ይግደድ ከም ዘሎን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣካላት እቲ ስርዓት ከም መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ናይ ምብዝባዝ ኣመሎም፡ መብዓሊ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ 5 ክሳብ 500 ናቕፋ ሰሊዖም ብኣስገዳድ የኽፍሉ ከም ዘለዉ እዞም ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም።

Last modified on Tuesday, 15 May 2018 14:30