Print this page

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ንሓዳስ ኣደመንበር ማዲሰ ሕውነታዊ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ልኢኹ

2018-04-23 20:33:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2606 times
Rate this item
(0 votes)

ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ ናይ 154 ዓመት ታሪኹ ንመጀመርያ ግዜ ብ22 ማዝያ 2018 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ጉባኤ ወይዘሮ ኣንድ ናለስ ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ኣደ መንበር መሪጽወን።

 

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ ግምት ብምእታው ናብተን ኣደ መንበርን መሪሕነት እቲ ሰልፍን ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰኩም መልእኽቲ ልኢኹ። ኣብቲ መልእኽቱ ሰልፎም ኣብ ጀርመንን ዓለምን ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ተደራራቢ ብደሆታት ታሪኻዊ ግደኡ ንክጻውት፡ ክሕደስ ዳግማይ ክሰምርን ክሕብርን ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ።

 

እዚ ብ23 ማዝያ 2018 ናብ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ዝተላእከ መልእኽቲ ምሕዝነትን ሰናይ ትምኒትን ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ እቶም ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ነቲ ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ከባብታትን ብዲሞክራስያዊ ሓይልታት ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ብግቡእ ከም ዝርድእዎ ገሊጹ።

 

ምስዚ ኩሉ ሰዲህኤን ካለኦት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሓይልታትን ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ኣብ ኤውሮጳን ንኤርትራ ወሲኽካ ኣብ ካልእ ከባብታትን ነቲ ንዝሓለፈ ዝያዳ ዕስራ ዓመታት ሕማቕ ፖለቲካዊ መርእያ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝጸነሐ ኩነታት ንምቕያር ንከኽእል ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ንምሕያል ማእከላይ ግደ ንክጻውት እምነት ከም ዘለዎም ጠቒሱ።

Last modified on Tuesday, 24 April 2018 21:53