Print this page

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ

2018-04-16 09:31:04 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. Published in EPDP News Read 2613 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳም 14 ሚያዝያ 2018 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እቲ ኣብ ከክልተ ወርሒ ዝካየድ ስሩዕ ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ።

ከምቲ ልሙድ ኣኼባ ብጸብጻባት ናይ ዞባ ቤት-ጽሕፈታትን ንኡሳን ሽማግለታትን እዩ ጀሚሩ። ብሓፈሻኡ ኣባላት ብኩለን ቤት-ጽሕፈታት ዝቐረበ ጸብጻባት ኣመስጊኖም።

ብናይ ዉድባዊ ጉዳያት ምስ ናይ ጎሽጓሽ ሽማግለ ብዝተገብረ ጽዑቕ ጻዕርታት፡ ብዙሓት ሓደስቲ ኣባላት ብፍላይ ኣብ ካናዳ ኣብ ሰልፍና ከምእተጸንበሩ ተሓቢሩ። ኣብ እስራኤል’ውን ብዙሓት ሓደስቲ ኣባላት ከምእተጸንበሩናን ሓደስቲ ጨናፍር ይቖማ ምህላወንን ኣኼበኛ ተበሲሩ።

ብናይ ገንዘባውን ማሕበራውን ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ብዝተኻየደ ዕቱብ ጻዕሪ፡ ልኡኽ ናይ ሰልፍና ናብ እስራኤል ዑደት ንኸካይድ ዝተገብረ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ወፈራ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ዕዉት ምንባሩ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ዝተኣትወ መብጽዓ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ሳጹን ምእታዉ ናይ ኣባላት ሞራል ሓፍ ዘበለ ኣወንታዊ ሓበሬታ ነይሩ።

ቀጺሉ ናይ ዜናን ባህልን ቤት-ጽሕፈት ጸብጻብ ናይ ዘካየዶ ንጥፈታት ኣቕሪቡ።

ድሕሪዚ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ሰልፍና ምስ ሓይልታት ተቓዉሞ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታትን ተበጺሑ ዘሎ ምዕብልናታትን ድሕሪ ምሕባር ብጠለብ ናይ ዞባ ሽማግለ መሰረት፡ እቲ ንሰልፊ ህዝብን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ናብ ሓደነት ዘብጸሐ ጉዕዞ ከመይ ነይሩ። እቲ ስዒቡ ንኣቶ መስፍን ሓጎስን ዉሑዳት ሰዓብቱን ሰልፊ ገዲፎም ክኸዱ ዝገበረ ዘይምርድዳእ ከ እንታይ መበገሲኡ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ ምዕብልናን ገና ክረአ ዘለዎ እኳ እንተኾነ ንኤርትራውያን ክመይ ክጸልወና ይኽእል ኣብ ዝብል ዛዕባ መግለጺ ሂቡ።

ኣኼባ ንሕቶን መልስን ተኸፊቱ ብህዱእ መንፈስ ኣባላት ሕቶታቶምን ርእይቶኦምን ኣቕሪቦም። ኣብ መደምደምታ ኣባላት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ከምዚ ጀሚሩዎ ዘሎ ቀጻሊ ክኸውን ተላቢዮም ኣኼባ ተደምዲሙ።

ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.

14 ሚያዝያ 2018

Last modified on Monday, 16 April 2018 11:33