Print this page

ስዊዘርላንድ ፖለቲካዊ ዑቑባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትሰጉጕ ትደናደን

2018-04-06 12:33:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4444 times
Rate this item
(0 votes)

ሓለፍቲ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ዳግመ ግምት ይሕብሩ ከም ዘለዉ፡ ትሪቡን ዲጀነቫ ዝተባህለት ዕለታዊት ጋዜጣ ኣብ ናይ 5 ማዝያ 2018 ሕታማ ሓቢራ። እታ ጋዜጣ እቶም ነዚ ብዝምልከት ዝሕበሩ ዘለዉ፡ ጉዳዮም ተራእዩ ኣብ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ ተግባር ንዓመታት ዘገልገሉ ምዃኖም ተጻርዩ ፖለቲካዊ ዑቑባ ዝተውህቦም ምዃኑ ከም ዘጻረየት ኣረጋጊጻ።

ናይ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ መገባእያ፡ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2017 ውሳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቑባ ተዋሂብዎም ዝነበረ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ናይ 18 ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ እንተኾይኖም፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ። ሓለፍቲ ስዊዘርላንድ ነዚ ፍሉይን ኣገራምን ውሳነኦም መወከሲ መሰረቶም መንግስቲ ኤርትራ ዝህቦም “መረጋገጺ” እዩ።.

ካለኦት ናይ ስዊዘርላንድ ምንጭታት ብወገኖም ከም ዝሕብርዎ፡ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ተቐባልነት ዝረኸቡ 9 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዳግመ ርኢቶ ንክምለሱ ጠመተ ተገይርሎም ዘሎ እቶም 3 ሺሕ እዮም። ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ልዕሊ 25 ሺሕ ዑቑባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም።

Last modified on Friday, 06 April 2018 14:40