Print this page

ቃል ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም

2018-03-13 22:03:09 Written by  ረዘነ ተስፋጽዮን Published in EPDP News Read 2648 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርኩም ተኻፈልትን ኣዳለውትን ናይዚ ሰላምዊ ሰልፊ።

ኣነ ረዘነ ተስፋጽዮንየ ዝብሃል። ኣብ ገጠር ኤርትራ ዝተወለድኩን ድሕሪ ራበዓይ ክፍሊ ምውድአይ ናብ ኣስመራ ንትምህርቲ ዝመጻእኩን። ኣብ ኣኽርያ ሪጋ ሶማል ን 4 ዓመት ተቐሚጠ። ኣብ መጀመርያ ሓንቲ ክፍሊ ክንካረ መደብ ዘወጻእና ሰለስተ ተምሃሮ ኢና ነርና። ሓሙስ መዓልቲ ውዕል ክራይ ሓንቲ ክፍሊ ብሰልስተ ብር ንወርሒ ክንከፍል ተወዓዒላና ንጽባሒቱ ናብ ስድራና ከድና። ኣብቲ ዘመንቲ ብዘጋጠመ ናይ ኣንበጣ ሓደጋ: ንሓረስቶት ኣብ ዓቢ ሽግር ዘውደቐሉ እዋን ነይሩ። ብኡ እቲ ሳልሳይና ብምኽንያት ትምህርቲ ኣቛሪጹ: ዓርቢ ንዓዲ ምስ ከደ ሰንበት ኣይተመልሰን። ኣነን ኣብርሃም ግን እቶም ሓደ ክፍሊ ከካርዩና ዝሓሰቡ ስድራ ቤት እንዳቦይ ቢሐ ኲነታትናን ጸገምናን ምስ ረኣዩ ሓንቲ ሩም ብነጻ ሂቦምናስ መግብና ባዕለን እተን ሓደስቲ ኣደታትና ኣናገበራ ንዓመት ምስ ቀጸልና: ኣብርሃምውን ትምህርቲ ኣቋሪጹ። እቲ ዝተሓተ ክገብሩሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ስድርኡ ኣይሓገዙን ብምኽንያት ድኽነት። ኣነ ግን ብሓገዝ እንዳቦይ ቢሐ ምስተን ውሑድ ሓገዝ ስድራይ ምስኦም ከም ወዶም ኮይነ ቀጺለ።

ኣብ ሪጋ ሶማል መጺኦም መንፈሳዊ ፍልምታት ዘርእዩ ካብ ቃኘው ስተሽን ዝመጹ ኣመሪካውያንን ምስኦምውን ደቂ ሃገር ካብ ወንገላዊት ቤት ክርስትያን ነይሮም። ኣብ መጀመርያስ ዳርባ እምንን ማዕጸኦም ብምህራምን ኢና ንህውኽ ዝነበርና። ኣነን ካልኦት መንእስያትን። ጸኒሕና ግን ብፍላይ ኣነ ኣብ ምርኣይቲ መንፈሳዊ ፍልምታት ኣድሂበን ፈትዮዮን። ሓደ መዓልቲ ወንጌል መጽሓፍ ቅዱስ ሂቦሙኒ። ሒዘያ ንገዛ ከይደ ነቶም ተወሰኽቲ ወለደይ ኣስላም ኣርእየዮም። እዞም ስድራ ቤት ኣስላም ነቲ መጽሕፍ ከንብቦ ኣተባቢዖሚኒ። ብቐጻልውን ምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈትየ። እንዳቦይ ቢሐ ሰብኣውነት ብግብሪ ኣርእዮም መንፈሳዊ ሂወተይ ብግቡእ ንኽምልመል ዝመኸሩዮም። ናይ ቊልዕነት እምነተ ሃይማኖተይ ዝኾስኮሱን ንኹሉ ኣማኒ ብኽብሪ ክርኢ ዝገበረትን ኣስላመይቲ ስድራ ቤትያ። ከምኡ ስለዝኾነ ኣብቲ ኮሙኒዝም ፋሽን ዝነበረሉ ስብዓታትውን ደስኪሉ ደኣምበር እምነተይ ኣይጠፍአን።

እዚ ሕጂ ግህሰት እምነታት ኣብ ኤርትራ ከም ስርሑ ተተሓሓሒዝዎ ዘሎ ጒጅለ ህግደፍ ብ1977 ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ህዝባዊ ሓይልታት ንጵንጠቆስተን ጆሆቫ መሰኻኽርን በሃይን ፍጥረታት ሃጸይነትየን ብምባል ወጊዙ ኣብ ፕሮግራሙ ድማ ኣስፊሩ ነይሩ። ኣነን ከማይን ዕሽስ ኢልና ሓሊፍናዮ። ብ 1993 ረፈረንዱም ምክፋል ኣቢኹም ኢሉ ንጆሆቫ መሰኻኽር ካብ ስራሕ ኣውጽኡን ኣሳጒጒን ህግደፍ። ስቕ ኢልና ሓሊፍናዮ። ድሕሪ ኩናት 1998-2000 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕግን ቁዋምን ኣብ ኤርትራ ይሃሉ ንዝብል ሓሳብ ብምጭፍላቕ ንኣበገስቱን ግዜጠኛታትን መቁሑ። እዝከረኒ ኣብዛ ሕጂ ተኣኪብናላ ዘለና ቦታ ብዕለት 18 መስከረም 2001 ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበርናሉ ውሑዳት ነርና። ምስኡ ዝተተሓሓዘ ንኣመንቲ ጰንጠቆስተ ብፍላይ ንመራሕቶም ክኣስርን ከቕህምን ጀሚሩ። ቤት ጾሎታትም ዓጽዩ። ንምእካቦም ኣጊዱ። ጰንጢቆስታውያን ግን ንፖለቲካ ህግደፍ ስለ ዝተቛወሙ ዘይኮነስ ህግደፍ ዝኾነ ዓይነት ምእካብ ስለዝጻባእዩ። ናይ ሃጸይነት ፍጥረታት ኢሉ ስለ ዝጀመረ ምስ መንግስቲ ኣመርካ ኸኣ መበኣሲ ገይርዎም። እምበር ጰንጠ ኤርትራስ መራሕቶም ምስ ተኣስሩን ተመቁሑንውን ንሕና ብጾሎት እምበር ብካልእ ኣጋባብ ኣይንቋወምን ኢና ኢዮብ ዝብሉ፣ ብፍላይ እዞም ኣብ ስደት ዝነብሩን መራሕቶምን። ከም ግቡእ ግን ዓው ኢሎም! ንእሱራት ደቂ እምነቶም ከእውዩሎምን ክጠርዑሎምንዩ ዝግባእ ዝነበረ፣ እዚ ግን ነቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስቕ ኢልና ምርኣይና  ምኹኑይ ኣይገብሮንዩ። መንፈሳዊ ጽሑፋት ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ንኸይወጽእ ኣጊዱ ህግደፍ። ስቕ ኢልና ኣሕሊፍናዮ። ንብረቶምውን ሃጊሩ። ንብረት ወንገላዊት ቤተ ክርስትያን ህግደፍ ወሲዱ መራሕቲ ቤት ክርስትያን ወንገላዊት ኣጽቂጦም። ኲልና ኣጽቂጥና ስቕ ኢልና። ንፓትርያረክ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ህግደፍ ሓይሩ። ገለ መእምናን ተቛውሞ ከርእዩ ከለው ካልኦት ዜጋታት ኣጽቂጥና። ምጽቃጥ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ሕጂ መሳርሕን ኣገልገልትን ህግደፍ ብምዃን ብኽሕደት መሰል ኤርትራውያን ብምጥላዕ ንቤተ ክርስታያን ተዋህዶ መሳርሒ ዝገብሩ ኣለው።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንቤት ክርስታያን ተዋህዶ ብካድረታትዩ ከመሓድራን ክፍንጥሓን ጸኒሑ ዘሎ። ስለያዊ መሳርዓት ህግደፍ ብፍላይ ንተዋህዶ ቤተ ክርስታያን ኣብ ውሽጣ መንበሩ ተኺሉ ፋሕ ብትን ከምዝኣትዋ ገይሩሎ። እታ ቤት ክርስትያን ኣብ ክልተ ተገሚዓ ኣላ። ንምእታው ኢድ ህግደፍን ጸጥታዊ ኣሰራርሕኡን ዝቋወሙን ንምልኪ ዝእዘዙን ብምዃን።

ስርዓት ህግደፍ ንኣመንቲ ሃይማኖት ካፋፊሉን ጎዛዝዩን ክሃርም ካብ ዝጅምር ዓመታትዩ ኣሕሊፉ። ዝኾነ እምነት ስለዘገድሶን ስለዘይኣምንን ዝኣምንንውን ኣይኮነን። ምእካብን መሰልን ዝበሃልዩ ዝጸልእ ህግደፍን መራሒኡን። ዝኾነ ሰብ ወይ ዜጋታት ብነጻ ድልየቶም ክእከቡን ርእይቶኦም ከልኪሉን ስላጣኑ ንምንዋሕ ጥራይዩ ዝሰርሕን ዘጋፍዕን።

ከም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ፋሕ ስለዝበልናሉ ከም ኲዕሲ እግሪ ንመላእ ህዝቢ ይጻወተሉ ኣሎ ህግደፍ። እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልኢላስላሚያ (ብልምዲ መድረሳ ስታዝ በሽር መሓመድኑር) ተባሂላ እትፍለጥ ቤት ትምህርቲ ኢዱ ከእቱ ብምፍታን ህገደፍ ካብ መማህራን ተመሃሮ ወለድን ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ: ናይዚ ቀረባ ግዜ ዜና ኮይኑ ጺኒሑዩ። ሓላፊ ቤት ትምህርትን መማህራንን ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝቐረበሎም ስነ-ስርዓት ምልውዋጥ: ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ክመሃሩ ኣለዎም ዝብል ጸቕጢ: ደቂ ኣንስቶዮ ሕጃብ ወይ መቕንዓት ጌረን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ: ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ከይወሃባ ዝብል መምሪሒታት ስለዝተቓወሙ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ንምርዓድ ሓላፊ ቤት ትምህርትን ገለ ማምህራንን ብለይቲ ካብ ገዝኦም ጨውዩ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ሰሉስ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ ብሓፈሻ: ህዝቢ ኣኽርያን ከባቢኡን ድማ ብፍላይ: ተቛውምኡ ንምግላጽ ኣብ ጽርግያ ኣብ ዝወጽኣሉ: ወተሃደራት ህግደፍ ጠያይቲ ብምዝናብ ከርዕድዎን ክብትንዎን ፈቲናም። እቲ ተቛውሞ ግን ኣብ ካልእ ቦታታት ኤርትራ ከረን: ኣቑርደት: ኣፍዓበትን ዓሰብን ከምዝለሓመ ዝተፋላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም ኣለው።

ህግደፋውያን ብባዶ ሰለስተ ኣቢሎም ንናይ ወዲ ዓሊ ጅግንነታዊ ተበግሶ ናይ ኣስላም ምንቅስቓስዩ ኢሎም ክብልልዎ ከም ዝፈተኑ፣ ነዚ ናይ ሕጂ ድማ ”ኢሳያስ ምስ ኣመሪካ ክዕረቕ ኣብ ዝሓሰበሉን ዘውግዓሉን ግዜ ኣስላም ተሲኦም” ዝብል ነውሪ ኣሰንዮም ሰባብ መርዞም ይነዝሑ ኣለው። እዚ ግን ከሐንነና ድኣምበር ድምብርጽ ክብለና የብሉን።

ክቡራት ተኻፈልቲ! ብረታዊ ቃልሲ ንነጻነት ኣብ መታሕት ኤርትራ ጀሚሩ። ህዝባዊ ማዕበል ንሓርነት ብኣኽርያ ጀሚሩ ኣብ መታሕት ኤርትራ ምቅልሑ ምወዳእታ ዕምሪ ህገደፍን መሃንድስ ኲሉ ምብታን ህዝቢ: ኢስያስ ኣፈወርቅን ሓመድ ድብኡ ዘቃረበ ደወልዩ። ኣነ ብዕድመ ካብቶም ዝዓበዩ ሓውኹም ወይ ኣቦኹምየ። ክመክር ድማ ኣፍቁዱለይ። እዞም ነዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ ዝወጠንኩም ኣስላምና ክርስትያና አእምነትና ኣብ መስጊድን ቤት ክርስትያንን ኣብ ውሽጥናን ዓቂብና፣ ነዚ ከም ስጋ ጒዚ ጎዛዝዩ ዝበልዓና ዘሎ ከይሰ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ኮንና ን ኣብ ሽወደን ዘለና ኤርትርውያን ካብ ግዝኣት ህግደፍ ክንጋላገል ክንሰርሕ ምስ ናይ ሓርነት ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ብሓባር ክንትስእ ብቐጻሊ ክትሰርሑን ክትሕግዙን እላቦ። ህግደፍን መራሒኡን ከይጠፍኡ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ኣይክመጽእንዩ። ጥፍኣት ህግደፍን መራሒኡን እተምጽእ ሓይሊ ኸኣ ሕብረትናያ።

ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ።

3 ሕዳር 2017

ረዘነ ተስፋጽዮን

የቐንየለይ።

Last modified on Wednesday, 14 March 2018 08:29