Print this page

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስደተኛታት ሃገር ሽወደን ንምጥርናፍ ስድራ ቤት ኤርትራውያን ኣገዳሲ ዉሳኔ ወሲኑ

2018-03-07 21:15:05 Written by  ወኪል ቤ.ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2552 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 05 መጋቢት 2018 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስደተኛታት ሃገር ሽወደን እቲ ብሰንኪ መንነት ምርግጋጽን ፓስ ፖርት ኤርትራ ብዘይ ምምጻእ ክንጸጉ ዝጸንሑ ( ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ምጥርናፍ ስድራቤት ክጽበዩ ዝጸንሑን ዘሎዉን) ብናይ DNA መርመራ ክካየደሎም ኣሎዎ ዝብል ዉሳኔ ወሲኑ። ደጊም ናብ ኤምባሲ ህግደፍ ምኻድን 2% ምኽፋልን ከም ዘየድሊ ብጻዕሪ ገበርቲ ሰናይ ሃገር ሽወደንን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ጻዕሪ ከም ዝተዓወተ ተሓቢሩ። ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር ከተማ ዮተቦርግ ( ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ) ምስ ዝምልከቶም ብምርኻብ ቀጻሊ ርኽክባት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

Last modified on Wednesday, 07 March 2018 22:27