Print this page

“ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ዞባታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ሰዲህኤ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም

2018-02-26 10:11:00 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 3024 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳም  24 ለካቲት  2018፡  ክልቲኡ ዞባታት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዞባ ኤውሮጳን “ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮ  ዞባታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ፡ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

መደብ ምውርራስ ተመክሮታት፡ ብመሰረቱ፡ ናይ ማእከላይ ባይቶ ውድባዊ ቀዋሚ ሽማግለ ዘበገሶ፡ ኣብያተ ጽሕፈታት ውደባን ደቂኣንስትዮን መንእስያትን፡ድማ  ዝማዕበለኦ መደብ ክኸውን እንከሎ፡ ብጸዋዒት ክፍሊ ሰሰን ሰብኣዊ ምንጪ ኣብ ምምሕዳር ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት እዩ ተካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝመርሑ  ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ደጊጋን፡ ሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ ኣድያም ተፈራን እዮም። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ድማ፡ ኣባላት ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ደቂ ኣንስትዮን መንስያትን፣ ኣባላት መሪሕነታት ዞባ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን፡ ኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባ ጀርመን ከምኡ’ውን ኣባላት መሪሕነታት ጨናፍር ነይሮም።

እቲ ኣኼባ፡ ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓፍቲ ኣድያም ድሕሪ ምኽፋቱ፡  ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ንዝርዝር መደባት ምውርራስ መኽሰባት ናይ ዞባታት፡ ገሊጹ።  ኣብ ገለጻኡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም   ዝካየድ ናይ ቃልሲ ተመክሮ መኽሰባት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፊ ንምክፋልን ካብኡ ኣስተምህሮታት ብምውሳድ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ  ኣሰራርሓ ሰልፊ ንምድንፋዕን ዝሃቀነ ምኻኑ ገሊጹ። ብመሰረቱ ከኣ ኣባላት  ዞባታት ዝራኸቡሉ መስኖታት ምኽፋትን ዓቅምታቶምን ብቕዓታቶምን ዝፍኑውሉ መድረኽ ምእንጋድን እዩ ክብል ኣብሪሁ።  ብተወሳኺ፡ ከምዚ  ዝበለ  ርክባት ንዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘማዕብልን ንግሉጽነት ከም ዘዕኩኽን ገሊጹ፡ ዝማዕበለ ምትሕብባር  ክተረጋግጽ ምኽእል ንባዕሉ ምዕዋት’’ዩ ክብል ኣብሪሁ።

ቀጺሎም ኣቦመንበራት ዞባን ንኡስ ዞባን ኣሕዋት ደስበለ ካሕሳይ፡ ኢሳቕ ወልደማርያምን  ተስፋማርያም ክብረኣብን በብወገኖም ናይ ዞባታቶም ሃለዋት መግለጺ ኣቕሪቦም።

ሓው ደስበለ  ብዛዕባ’ቲ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝሓለፎ  መኸተ ኣንጻር ዕንደራን፡ ጥሙር ምንቅስቓሳት  ኣባላት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ብምግላጽ፡  ህጹጽ ጉባኤ ኣካይዶም ነቲ ንሰልፍና ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ዝነበረ ወስታታት ስዒሮም፡ ሓዳስ መሪሕነት ከም ዝመረጹን ብዘየዳግም ከም ዝተዓወቱን ገሊጹ። ንኣባላት መሪሕነት ዞባ እውን ኣላልዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቅሱን፡ ዕዉት፡ ስኒት ዘለዎ  ተመክሮታት የሕልፍ ኣብ ልዕሊ ምህላዉ፡ ብፍላይ ኣብ ካናዳ፡ ብዙሕ ቁጽሪ ሓደስቲ ድሮ ኣሰሊፉ፡ ይቃለስ ምህላዉ ንኣኼበኛ ኣበሲሩ።

ሓው ኢሳቕ፡  ወልደማርያም፡ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቅልውላው ብዙሕ ከይተጸልወ፡ ጥርኑፍ፡ ዝነኣድ ስምምዓት ዘለዎ ኣፍራዪ ስራሓት ከም ዘካየደ  ብምግላጽ ንመላእ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ኣላልዩ። እዚ ዞባ’ዚ ልሉይ ጽንዓትን ጥርናፈን ኣረጋጊጹ ኣብ ልዕሊ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መድረኽ  ኣትኲሩ ክቃለሰሉ ዝጸንሐ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ሓባራዊ ዕዮ ከካይድን ምትእምማን ከስርጽን ምኽኣሉ እዩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ ክውንነት ሓባራዊ በዓላት ምስ ውድባት ከካይድ በቒዑ።  ሕጂ’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ሓባራዊ  መደብ ህዝባዊ በዓል ሰሪዑ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ንምዕዋቱ ኩሉ ክጽዕረሉ ጸዊዑ።

ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ እውን ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝካየድ ዕማማት ኣብ ልዕሊ ምሕባሩ፡ ንኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባን ተወፋይነቶምን ኣላልዩ።  እዚ ንኡስ ዞባ’ዚ ክቕሰም ካብ ዘድሊ ተመክሮኡ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ዘካይዶ መደባት ኣድማዒን ብዝሕ ዝሰጐመ  ናይ ኣሰራርሓ ስልቲን ከም ዘተኣታተወ ገሊጹ።

ብድሕሪ’ዚ ኣባላት መሪሕነት ዞባን ጨናፍርን ብወገኖም ነቲ ምይይጥ ዘሀብተመ  ርእይቶታትን ተመክሮታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ምርኡይ ተመክሮታት፡ ኣብ ሃገር ሽወደን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዕቤት ሓባራዊ ስራሕ ምዃኑ እውን ኣስሚሮሙሉ። ብዘይካኡ ናይ ርክባት መስኖታት ምምዕባልን፡ ናይ ሓድሕድ ትምህርታዊ መደባት ምስራዕን እውን ኣትኩሮ ተነቢሩሉ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ከካይዳኦ መዲበን ዘለዋ ሰላማዊ ሰልፊን ኮንፈረንስን ዝኸይድ ዘሎ ምቅርራባትን ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ መግለጺ ተዋሂቡ። ኣብ ደንሀግ፡ ሆላንድ ካብ8-11 መጋቢት 2018 ኣብ ዝካየድ መደብ፡  ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ምስ ኩሉን ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክተሓባበራ፡  ሓበን ከም ዝስመዐን ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ በቲ ዝኽእልዎ ክተሓባበሩ ጸዊዐን።  ተሳተፍቲ ኣኼባ እውን፡ ብድምቀትን ብዓቢ ንያትን ተቐቢሎም፡  ንምዕዋቱ ብኹሉቲ ካብኦም ዝጥለብን ዝኽእልዎን ከም ዝደጋገፉ ሓቢሮም።

ኣብ መደምደምታ መደብ ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ክቅጽልን፡  ኣብ መጻኢ ድማ፡ ንኹሎም   ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ  ኣባላትና ዝሓቘፈ መራኸቢ ክኸውንን ተሳማሚዖም።

ቤት ጽሕፈት ዜና

25 ለካቲት 2018

Last modified on Monday, 26 February 2018 20:24