Print this page

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-01-29 12:01:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2770 times
Rate this item
(0 votes)

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ28 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ኣብ ኤርትራን ዞባናን ዘሎ ምዕባለታትን ኣገጣጥማኡን ብዝምልከት ነቲ ብ8ን 15ን ጥሪ 2018 ዘውጸኦ መግለጽታት ብምጥቃስ  ዳህሲሱ። ድሕሪ መኸፈቲ ቃል ኣቦመንበር መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ ትሻዕቲኡ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ጸብጻባት ቀሪብሉ ብሰፊሑ ምስተዘትየሉ ከም ሰልፋዊ ሰነድ ጸዲቑ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ካብ ዝተመያየጠሎም ጉዳያት ሓደ ንምሕዳስ ሰልፊ ዝምልከት ነይሩ። በዚ መሰረት ነቲ ማእከላይ ባይቶ ኣብ 21 ጥሪ 2018  ብኮምሽን ምሕዳስ ሰልፊ ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ዳህሲሱ ዝተመያየጠሉ ናይ ኣተገባብራ ጉዳያት መሰረት ብምግባር፡ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ብዘይካዚ ብመሰረት እቲ ብ4 ሰነ 2017 ዘውጸኦ ብሓባር ናይ ምስራሕ እማመ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ገምጊሙ፡ ናይ ትግባረ ውሳነታት ወሲኑ። ብዘይካዚ ብዛዕባ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰልፊ ንዝቐረበሉ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ዝምልከት ተመያይጡ ንኣወጋግንኡ ዝምልከት ውሳነታት ኣሕሊፉ። እዚ ፈጻሚ ሽማግለ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ኣብ 7ይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ተመዚዙ ንሓደ ዓመት ዝመርሕን ዕለታዊ ኩነታት ሰልፊ ዝከታተልን ድሕሪ ማእከላይ ባይቶ ዝስራዕ ዝለዓለ ኣካል ሰልፊ  እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ21 ጥሪ 2018 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝቐረበሉ እዋናዊ ሓበሬታ ሰሚዑ ምስተመያየጠ ብዛዕባቲ ቀንዲ ዝተኣከበሉ ጉዳይ ምሕዳስ ሰልፊ ዘትዩ። ኣብዚ ዘትኡ ከም መበገሲ ዝወሰዶ  ነቲ ብኣቦመንበር ናይቲ ኣብ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቖመ ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፎ ብጻይ ፍስሃየ ሓጐስ ዝቐረበ ሰፊሕ ንድፊ እዩ። ባይቶ ኣብቲ ሰፊሕ ንድፊ ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፊ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ካብቲ ንድፊ ኣየስርሕን ዝበሎ እንዳነከየ ተሪፉ ዝበሎ ድማ እንዳወሰኸ ኣድላይ ምትዕርራይ ድሕሪ ምክያድ ከም መበገሲ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ኣማዕቢሉ ኣጽዲቕዎ። ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ እዚ ኮሚሽን ንምሕዳስ ሰልፊ ዘገድሱ ጉዳያት እንዳጽነዐን ቀዳምነቶም እንዳሰርዐን ንክጸድቁ ናብ መሪሕነት ብምቕራብ ስረሓቱ ክሳብ 3ይ ጉባአ ሰልፊ ዝቕጽል ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብ ኣባላት ሰልፍን ህዝብን ኣድላይ ምብርባር ምክያድ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ቃልሲ በዂሮም ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ምብርባርን ደንበ ተቓውሞ ናይ ሓባር ጽላል ዝፈጥረሉ ኩነታት ንምርካብ ጻዕርታት ምክያድን ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ቆላሕታ ካብ ዝወሃቦም ዕማማት ምዃኖም ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣነጺሩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ኣብ 2ይ ጉባአ 4 ዓመታት ክመርሕ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመረጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ  ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባ ዘካይድን ከም ኣድላይነቱ ንፍሉይ ኣኼባ ዝጽዋዕን ድሕሪ ጉባአ ዝለዓለ ሰልፋዊ ኣካል እዩ።

Last modified on Monday, 29 January 2018 17:34