Print this page

ሰዲህኤ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ተነጽሎ ኤርትራን ስደተኛታታ ኣብ እስራኤልን ንክዝቲ ኣማሕጺኑ

2018-01-29 11:56:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2601 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ናብ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸሓፎ መጸዋዕታ፡ ኤርትራ ምስዚ ዶባ ምስ ሱዳን ምዕጻዉ ጠቕሊላ ካብ ዓለም ከይትዕጾ ኣጠንቂቑ`። እቲ ዝኸፈአ ሳዕቤን ቅድሚ ምምጻኡ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ እዚ ኩነታ ናብ ናይ ህዝቢ ሓያል ጥምየት ከየመርሕ ከም ዘፍርሕ’ውን ስግኣቱ ገሊጹ።

እቲ ብ27 ጥሪ 2018 ናብ ኣቦመንበር  ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ዝተላእከ መዘክር  ሰዲህኤ፡ ነቶም ካብ 28 ጥሪ ጀሚሮም ንክልተ መዓልታት ዝእከቡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ናይ ኤርትራ ባዕለ እገዳ ካብ ቀንዲ መዛረቢ ኣጀንዳታቱ ሓደ ክኸውን ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ጉዳይ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝድለለየሉ ምኽንያት ብሰንኪ ጨቋኒ ምምሕዳር ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ዘለዉ  ሚልዮናት ሰባት ናይ ሞትን ሕየት ጉዳይ ስለ ዝኾነ እዩ ኢሉ።

ብዘይካዚ መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ ተሳተፍቲ መበል 30 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባቶም ኣብ እስራኤል ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዘለዉ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 40 ሺሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሕግዝሉ ኩነታት ብተገዳስነት ክመያየጡ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ።

ምስዚ ከኣ እቲ መዘክር፡ እዚ ኣፍሪቃዊ ኣኼባ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝረአ ዘሎ  ወጥሪ ንምህዳእ ኩሉ ዝከኣሎ ንክገብር  ጸዊዑ። ኣብዚ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን መራሒ ፍልስጥኤም ማሕቡድ ዓባስን’ውን ይሳተፉ ኣለዉ።

Last modified on Monday, 29 January 2018 13:01