Print this page

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ምሉእ ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣኼባ ኣካይዱ

2018-01-21 07:10:40 Written by  EPDP Information Office in North America Published in EPDP News Read 3938 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 20 ጥሪ 2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ዞባ ኣኼባ ኣአንጊዱ። እዚ ኣስታት 60 ኣባል ዝተሳተፎ ኣኼባ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳ ተመያይጡ፤

1. ህልዊ ኵነታት ስልፍናን ደንበ ተቃውሞን ዞና ሃገርናን

2. መደብ ሕደሳ ሰልፊ

3. ኣገባብ ኣከያይዳ ህጹጽ ጉባኤ

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ውደባዊ ቤት ጽሕፈትን ንህልዊ ኵነታት ስልፍና ብድቀት ተንቲኑ ገሊጹ። ብስም ስልፍና ኣብ መስከረም ነት ዝወጸ ኣዋጅን መልሲ ኣቦ መንበር ስልፍን ኣብሪሁ። ቀጺሉ ሓፈሻዊ ህይወት ተቃውሞን ኵነታት ሃገርናን ገሊጺ።

ሓው ፍስሃየ ሓጎስ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ብወገኑ ንመደብ ሕደሳ ሰልፊ ብደቂቅ ኣብሪሁ። ሕደሳ ሰልፊ ካብ ኣባላት ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ዝቆመ 11 ዝኣባላቱ ኮሚሽን እዩ ኢሉ ምስ ኣባላት ኣላሊይዎ። ዕላምኡ ኸኣ ንሓያልን ድኽመትን ጐንታት ስልፊ መሚዩ ንዕቤትን ዓወትን ዝኣመቱ ቅድታት ምትግባር እዩ ኢሉ ገሊጹ።

ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ኣምራጺት ሽማግለ ብወገኑ ኣገባብ ጉባኤ ኣብሪሁ። ንዝቀረቡ ሕጹያት’ውን ብኣኼበኛ ምጽዳቆም ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣስታት 20 ዝኽኑ ሓደስቲ ኣባላት መንእሰያት ካብ ካናዳ ዘኣንገደ እዩ ነይሩ። ንባህሊ ኣኼባ ብጣዕሚ ንኢዶም። ኣኸበኛታት ንዝቀረበ ትሕዝቶ ኣኼባ ኣመጒሶም። መሪሕነት ሰልፊ ዝውስዶ ዘሎ ኣንፈት ናይ ዓወት ጕዕዞ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ንዝኾነ ኣብ ስልፍና ዝቀንዐ ብድሆታትን ሽርሕታትን ክምህ ከምዘይብል ኣረጋጊጹ። ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስከረም ነት ዝወጸ ዓጀውጀው  ብተበግሶ መሰረታት ኣብ ሕርሲ ከይበጽሐ ዘቈልዐ ጥንሲ እዩ ኢልዎ። ህዝቢውን ሕረሕራይ ገሩ መንነቶም ይፍለጦም።

ዓወት መተካእታ የልብሉን!

Last modified on Sunday, 21 January 2018 18:15