Print this page

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰዲህኤ 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ

2018-01-19 19:36:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት Published in EPDP News Read 3143 times
Rate this item
(0 votes)

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 18 ጥሪ 2018 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ ብምክያድ፣ ኣብ ኣገድስትን ኣዋናውያንን ዛዕባታት ዘትዮም። ኣባላት ምምሕዳር ቀዳምነት ሂቦም  ብዕምቆት ዝዘተዩሉ ኣርእስቲ፣ መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ 3ይ ምዱብ ኣኼባ ኮይኑ፣ ንቅሓትን ተረደኦን ሰፊሕ ህዝብና ክብ ኣቢልካ፣ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ክንዲ ተዓዘብቲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ከምዝኾኑ፣ ናይ ሓድነትን ስምረትን ባይታ ፈጢሮም ሓቢሮም ከምዝቃለሱን ንምግባር ዘብቅዕ ሃዋህው ምፍጣር ዝብል እዩ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈታትን ትካላትን ሰልፊ ብምትሕግጋዝ፣ ነዚ መደብዚ ክውን ንምግባር ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምድላዋት ጻዕርታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ድማ ሓደ ብሓደ ሪእዩን ገምጊሙን። ሊዕሊ 90 % ምእታዊት ናይቲ ዘድሊ ምድላዋት ተሰላሲሉ ከምዘሎ ድማ መዚኑ። እቲ ምድላዋት ዘተኣማምን ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ፣ እቲ ፓልቶካዊ ናይ ኣስተምህሮን ዘተን መደብ ኣብ ምጅማር ወርሒ ለካቲት 2018 ክፍልም ከምዝኽእል ወሲኖም።

ብምቅጻል ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ኣብ ሓድነት ሰልፊ ዝረእ ዘሎ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ዘሕዝን ናይ ምፍንጫል ስጉምትን ኣገባቡን ብምምይያጥ ሪቶታት ድሕሪ ምልውዋጥ፣ ናይ ሓባር ሚዛን ኣቀሚጦምሉ። ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ሓዲሽ ዓመት ብስራት ዓወትን፣ ሓድነትን፣ ስምረትን ክሰምዕ ዝነበሮኳ እንተኾነ፣ ንናይ ሓሳባት ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብልዝብን ብሕግን ዝፈትሕ ብምፍንጫል ናይ ምፍታሕ ባህሪ ዝሳዕረረ ፖለቲካዊ ባህሪ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ትጽቢቱ ዳግማይ ምፍንጫል ከበስሮ ምኽኣሉ ንማን ዘነይት ከምዘይኮነ ተገምጊሙ። ዝኾነ ዝፍንጨል ኣካል ኮነ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ማሕበር ዝምስርትውን፣ ቀንዲ ዕላምኡ ንመላኺ ስርዓት ኣስመራ ኣሊኻ ህዝቢ ምድሓንን ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን እምበር ምቓልስቱ ንዝጸንሓ ኣካል ንምድኻም ክኸውን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታውን፣ ዝኾነ ኣባልን ኣካልን ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እየ ዝብል፣ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቲ ሓቀኛን ትካላዊ መስመርን ተኸቲሉ ካብ ጌጋታቱ ብምእራም፣ ካብ ድኽመታቱ ድማ ዓቅሚ ዘፍቀዶ ኣበርክቶ ብምግባር እዩ ንሰልፊ ከቅንዕን ከዐውትን ዝኽእል እምበር ብምፍንጫል ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስና!

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና!

    

Last modified on Friday, 19 January 2018 20:39