Print this page

ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ኩነታት ናይቶም ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ልዕሊ 700 ሺሕ ስደተኛታት ኣኼባ ተኻይዱ

2017-12-09 15:24:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3293 times
Rate this item
(0 votes)

ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን ሲቪላዊ ማሕበራት ብ7 ታሕሳስ 2017 ብዛዕባቶም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሊቢያ  ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ጀነቫ ተመያይጦም። ኣብዚ ምይይጦም ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ክወጹ ዘገድድዎም ዘለዉ ምኽንያታት ዝዕገትሉ ኩነታት ብቅልጡፍ ክጽናዕ ዝኽእለሉ ህጹጽነት ተዘራሪቦም። እቲ ሰሚናር ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣፍሪቃዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ምስ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኣፍሪቃ ዝርከቡ መሓዙቶም ንክሰርሑ ምዒዱ።

 

መድረኽ ይመርሑ ካብ ዝነበሩ፡ ኣቶ ዳቪድ ኮሮስ ዲረክተር  ኣፍሪቃዊ ማእከል ኣንጻር ስቓይ ጻብጻብ ኣቕሪቦም። ኤርትራዊ ዶክቶር ዳኒኤል ረዘነ ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ፍትሒ ድማ ብዛዕባ ግደ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ መስርሕ ምዕጋት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጥም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ በርት ቨርስታፐን ላዕለዋይ  መዝጋቢ’ውን ካብቶም መድረኽ ዝመርሑ ነይሮም። ኣብዚ ብኣፍሪቃዊ ማእከል ኣንጻር ስቓይ ዝተወደበ ሰሚናር፡ ካብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ፡ ከምኡ እውን ካብ ሕቡራት ሃገራትን  ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተሳቲፎም። ሰዲህኤ ድማ ኣብዚ ሰሚናር ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታቱ ተወኪሉ።

 

እቲ ብኣፍሪቃዊ ማእከል ኣንጻር ስቓይ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ ሊቢያ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ካብቶም 84 ሚእታዊት እቶም 80 ሚእታዊት መንእሰያት ደቂ ትባዕትዮ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ሚልሻን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስቓይ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ 34 ልዕሊ ዓቕሞም ዘዕለቕለቑ መዳጐኒ ማእከላት፡ ካብ እትግምቶ ንላዕሊ ኣብ ዝኸፈአ  ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ። ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ ሕጂ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ንምዕጋት ልዕሊ 2 ቢልዮን ኤውሮ ወጻኢ ገይሩ’ሎ።

 

በቶም መራሕቲ ኣኼባ ስደት ካብ ኣፍሪቃ ንምዕጋት እቲ መፍትሒ እንታይ እዩ ምስተባህለ፡ ኤርትራውያን ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ፡ እቲ ምሩጽ መፍትሒ፡ ኤርትራ’ውን  እትጥቀሰሉ፡  ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይጥዑይ ምምሕዳር፡ ምጥፍፋእን ወጽዓን  ኣብ ዝውገደሉ ኣነጺርካ ርኡይ ስጉምቲ ምውሳድ  ምዃኑ ኣቃሊሖም።

 

እቲ ኣብ ኣቡጃ ብ29-30 ሕዳር 2017 ዝተኻየደ ናይ ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ርክብ ነቶም ናብ ሚልዮን ዝገማገሙ ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ 6 ሳምንታት ነናብ ሃገሮም ንምምላስ ከም ዝተሰማመዐ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ዝተባህለ የለን። ኣብ መወዳእታ ዝግደሰሎም መንግስቲ ኣብ ዘየብሉ እንታይ ከም ዝኾኑ ዝተፈልጠ የለን።

Last modified on Saturday, 09 December 2017 16:38