Print this page

ኮምሽን ምሕዳስ ሰዲህኤ: ቀዳማይ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-12-05 13:44:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2974 times
Rate this item
(0 votes)

ንምሓዳስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቖመ ኮሚሽን ብ2 ታሕሳስ 2017 ቀዳማይ ኣኼባኣ ኣካይዱ። ኮሚሽን ኣብዚ ኣኼባኡ ውሽጣዊ ሕጉ ኣጽዲቑ፡ ኣቶ ፍሰሃየ ሓጐስ ኣቦመንበር ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ ከኣ ጸሓፊ ናይቲ ኮሚሽን ክኾኑ  መሪጹ። ኮሚሽን ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብቲ ብማእከላይ ባይቶ ዝተዋህቦ ንምሕዳስ ሰልፊ ዝምልከት ሰነድ መባእታዊ ዳህሳስ ኣካይዱ።

እዚ ንኣፈጻጽማ ስረሓቱ ብዝምልከት ናብ ባይቶ ስሩዕ ጸብጻቡ ከቕርብ ዘቕርብ ኮሚሽን፡ ኣብዚ ዝመጽእ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ 2ይ ኣኼባኡ ከካይድ እዩ። እዚ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለያ ትሻዕተ ሃገራት ማለት፡ ኣወስትራልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ሱዳን፡ ንርወይ፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ብዘለዉ 12 ኣባላት ኣባላት ሰዲህኤ ዝቖመ እዩ።

እዚ ልዕሊ 4 ሰዓታት ዝጸነሐ ናይ 2 ታሕሳስ 2017 ኣኼባ ኮሚሽን ዝያዳ ናብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምትኳር ብዛዕባ ጀኦፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ተለዋዊጡ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣኼባ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሃሳዪ ሒቕታ ሰጊሩ፡ ናብቲ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝተጸወዐ ፍሉይ ኣኼባኡ ይስጉም ምህላዉ ዝምልከት ዘሕጉስ ሓበሬታ’ውን ሰሚዑ። ኣብቲ ንኣሰራርሓ ናይቲ ኮሚሽ ብዝምልከት ዝተገብረ ምይይጥን ምጽዳቕ መምርሕታቱን፡ ኣባላት ኮሚሽን ኣብዚ ምእንቲ ራህዋን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ተሰሊፎም ክቃለሱን ኩሉ ዝሕተት ዋጋ ክኸፍሉን ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ንጥጡሕ ትግባረ ምእንቲ ክበቅዕ በቲ ኮሚሽን ዝያዳ ክመሓየሽን ክምዕብልን እዩ። እዚ ሰነድ ዝተዳለወ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብ መስከረም 2016 ብዝወሰኖ መሰረት እዩ። ናይዚ ሰነድ ንድፊ ቀጺሉ ብወርሒ መጋቢት 2017 ኣብ ኮንፈረንስ ዞባ ኤውሮጳ ምይይጥ ምስተገብረሉ ደሓር ድማ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ 8ይ ምዱብ ኣኼባኡ ብ10 መስከረም 2017 ዝገምገሞ እዩ።

Last modified on Tuesday, 05 December 2017 15:08