Print this page

ሰዲህኤ ን5ይ ርክብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ተማሕጺኑ

2017-11-30 10:33:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3574 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ እቲ ኣብ ኣቡጃ ኣይቨሪኮስት ዝካየድ ዘሎ 5ይ ርክብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውራጳዊ ሕብረትን ንጉዳይ እቲ ብብዝሒ ዝመዛበል ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሓደ ቀዳምነት  ዝወሃቦም ጸገም ኣፍሪቃ፡ብመንጽር ውሳነን ለበዋን መሰል ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንክምልከቶ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሕ ብ29 ሕዳር 2017 ዝተኸፍተ ርክብ “ንቐጻሊ መጻኢ ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ምስራሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ እዩ ዝካየድ።

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ናብ ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋኪ ማሃማትን ወ/ሮ ፈደሪካ ሞገሪኒ ላዕለወይቲ ወካሊትን ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያትን ጸጥታዊ ፖሊስን ሕብረት ኤውሮጳ ዝተላእከን ቅዳሑ ናብ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብ28 ሕዳር 2017 ዝተዘርግሐ መልእኽቱ፡ ንጭረሖ ናይቲ ርክብ ደገፉ ገሊጹ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ርክብ ምስዚ ጭረሖኡ ኣተሓሒዙ ነቲ ኣብ ሊቢያ ዝረአ ዘሎ ናይ መንእሰያት ናይ ባርነት ዕዳጋ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ ናይ መዳጐኒ ሰባት፡ ኣብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኤውሮጳን ዝረአ ዘሎ ኩነታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ክመዝኖ ተስፋኡ ገሊጹ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣደዳ እዚ ጸገማት ይኾኑ ካብ ዘለዉ መንእሰያት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝወጹ ምዃኖም’ውን ኣይሓበአን። እዚ ኩነታት ኣብ መጻኢ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናብ ሕማቕ ዘምርሓ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ መልእኽቲ ንዘይሕጋውን ጨቋንን መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ  ብኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝግበረሉ ዘሎ ሓገዝን ኣፍልጦን ዘይምጥኖ ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ መልእኽቲ ሰዲህኤ ብተወሳኺ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሱ ዘለዉ ተሓተቲ ምግባሮም ኣድላይ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ 2016ን 2017ን ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሓሳብ ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  ተጽዕኖ ብምሕያል ዝግለጽ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣመልኪቱ።

እቲ “ኤርትራን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ቐጻሊ ዕቤት መንእሰያት ምስራሕ” ኣብ ዝብል ጭረሖ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ኣብዚ እቶም ከልምዑ ዝግበኦም መንእሰያት ቅድም ቀዳድም ኣብ ሃገሮም ረጊኦም ክነብሩ ክኽእሉ ይግበኦም። ቀንዲ ሕመረት መልእኽቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዚ እዩ።

እዚ ንክልተ መዓልታት 29-30 ሕዳር 2017 ዝካየድ ርክብ፡ መጻኢ ዝምድና ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ኣብቲ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ 60% ዝኾነ ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድመኡ መንእሰይ ምውፋርን ዝብሉ ዛዕባታት፡ ቆላሕታ ምሃብ ክኸውን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዝዝረበሎም ዛዕባታት፡ ሰላምን ጸጥታን፡ ወፍርን ንግድን፡ ምፍጣር ናይ ስራሕ ዕድል፡ ምምዕባል ክእለትን ፍትሓዊ ምምሕዳርን፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ዘጠቓልሉ ክኾኑ እዮም። 

Last modified on Thursday, 30 November 2017 19:27