Print this page

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ

2017-11-26 22:34:08 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2990 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ጨንፈር ቁጽሪ 1) ኣብ ከተማ ስቱትጋርት ብዕለት 25 ሕዳር 2017 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣሰላሲሉ። እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈልለየ ከባቢታት ዝነብሩ ኣባላት ጨንፈር ዝተሳተፍዎን፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፍን ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ-መንበር ዞባ ኤውሮጳን ዝተረኽብሉን ጉባኤ ምንባሮም እውን ይፍለጥ።

ጉባኤ ብኦቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ተኽልዝጊ ሚኪኤል ሰናይ ትምኒትን ምስጋናን ንተሳተፍትን ብዝኽሪ ስዉእ ኣባል ናይዚ ጨንፈር ዝነበረ ኣያናን ሓውናን ኣልኣዛር ቀለታን እዩ ተከፊቱ። ድሕርዚ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ጉባኤ ጨንፈር ክዕወትን፡ ድሕሪ ጉባኤ ኣባላቱ ማዕረ እቲ መድረኽ ዝሓቶ ዕማማት ኮይኖም ክርከቡ ዘለዎ እምነትን ተስፋን ብምብራህ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰልፊ ኣብ ምድልዳልን ስሩዕ ዕማማቱ ኣብምስልሳል ንዝጸንሖም ተራን ተወፋይነትን ብስም መሪሕነት ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ጉባኤ ዝካየደሉ ዘሎ ሓፈሻዊ ኲነታት ደምበ ተቓውሞ፡ ሃገርና እትርከቦ ዓዘቕቲ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝረኤ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ጽልውኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞን፡ ብፍላይ ድሕሪ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዘሎ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ኲነታት ንተሳተፍቲ ብዝርዝር ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ስርርዓዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣውጺእዎ ዘሎ መድረኻዊ መደብ ስራሕን ቅጥዒ ትግባሪኡን ብዝርዝር ብምግላጽ፡ ድሕነት ህዝብናን ካብ ኣትይዎ ዘሎ ምብትታን ክወጽእን፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ኮነ ኣመሪካ ካብ ዘንጸኣልዎም ዘሎ ናይ ምምላስ ሓደጋታት ተጽዕኖ ንምፍጣር ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ህዝቢ ብሓፈሻ ምስ ተቓወምቲ ዜጋትት ድማ ብፍላይ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓባራዊ ዕማማት ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

ሓው ኢሳቕ ብሸነኹ፡ ንዘይሕለል ጻዕርን ተወፋይነትን ጨንፈር ብስም መሪሕነት ዞባ ብምምጓስ፡ ኣብዚ ግዝያትዚ ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ስቓይን ዓዛብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣባላት ሰልፊ ዞባ ኤውሮጳ ኩለንተናዊ ተወፋይነትን፡ ስጥመትን ከምዘድልዮም፡ ተሳትፍኦም ኣብ ማሕበራውን ፖለትካውን ዕማማት ናይ ዝርከብዎ ከባቢ ክዓቢ ኣገዳሲምዃኑ ሓቢሩ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ዝስራዕ ህዝብን ሃገርን ብምዃኑ፡ ህዝብን ሃገርን ድማ ንኹልና ኤርትራውያን ብማዕረ ስለዝብጻሓና፡ ነዚ ሕሱም ስርዓት ንምእላይ ኣነካይዶ ቃልሲ ሓባራዊ እምበር ብተናጸል ዝሳለጥ ከምዘይኮነን፡ ኣብ ደገ ዝግበር ዘሎ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ዋላኳ ኣወንታዊ ሸነኽ እንተለዎ፡ መተካእታን መሕብእን ካብ ፖለቲካዊ ቃልስን ሓይልታቱን ክኸውን ከምዘይግባእ’ውን ኣብሪሁ። ኣብዝሓለፈ ሳምንታት ንዝተራእየ ናይ ሓባር ስራሓት ከም ኣብነት ብምውሳድ እውን፡ ኣባል ሰልፊ ኣብዝግበር ህዝባዊ ምልዕዓላት ሓቢሩ ክሰርሕ ብምትሕስሳብ መግለጺኡ ደምዲሙ።   

ካብዚ ቀጺሉ፡ ዝጸንሕት መሪሕነት ጨንፈር ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝነበራ ናይ ምምራሕ ግዜ ዘካየደቶ ዕማማት ዝገልጽ ፖለቲካውን ቁተባውን ማሕበራውን ዝርዝራዊ ጸብጻብን፡ ብተናጸል ኣባላት ጨንፈር ኣብ ከባቢኦም፣ ንሓደስቲ መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ምእላይን ቋንቋ ጀርመን ኣብ ምምሃርን ዘበርከትዎ ግደ ዝሕብር ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምስማዕ ንጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ቆይማ፡ ኣብዝቐረበ ጸብጻብ ኣገዳስን ሰፊሕን ልዝብ ተኻይዱ። ምስዝተገብሩ ምምሕያሻትን ዘይተጠቕሱ ዝነበሩ ተወሰኽቲ ርእይቶታትን ድማ ዝቐረበ ሰነድ ብድምጺ ጸዲቑ።

ስዒቡ፡ ኣባላት ጨንፈር ብሓፈሻ፡ መሪሕነቱ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት ክፍጽሞም ኣለኒ ዝብሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን መድረኻዊ መደባት ሰሪዑ፡ ዝተተለሙ መደባት ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘትኰሩ ዘይኮኑስ፡ ብፍሉይነት ኣብቲ ከባቢ ንዝካየዱ ሓባራዊ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓሳት ንምጉልባት ዝዓለሙ ከምዝኮኑ እውን ይፍለጥ። ሰክረታርያ ጉባኤ ንምርጫ መሪሕት እትመርሕ ሽማግለ ብምውጻእ ድማ ስራሓታ ደምዲማ።

ኣብ መጠረስታ፡ ዝወጸት ናይ ምርጫ ሽምግለ ቅዋም ሰልፊ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ጉባኤ ጨንፈር ንዝተሓንጸጹ መደብ ስራሓት እተካይድን ንዝመጽእ ዓመት ንጨንፈር እትመርሕን ሰለስተ ዝኣባላታ ምምሕዳር ሽማግለን ተጠባባቕን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ተቆጻጻሪ ንኽቕጽል ተሰማሚዑ።  ብዘይካዚ ኣብ ትግባረ ዕማማት ዝሕግዙን ኲነታት ኣብ ምክትታል ስሉጥን ምእኩልን ናይ ርኽክብ መስኖ ክህሉን፡ ኣገደስቲ ምምሕዳራዊ ለበዋታትን ሓሳባትን ካብ ተሳተፍቲ ቀሪቡ።

ጉባኤ ጨንፈር፡ መሪሕነት፡ ኣብ ቅዋምን ስርዓትን ሰልፊ ተመርኲሱ ንዝተቐልቀሉ ውሽጣዊ ሽግራት ንምእላይን ንምፍታሕን ክወስዶም ዝጸንሐ ስነ-ስርዓታዊ ስጉምትታት ኣብ ቦትኡ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ነቶም ንቕዋምን ፕሮግራምን ሰልፊ ኣኽቢሮም ኣብ ምትግባር ንምውዓሉ ከይሰልከዩ ዝጽዕርሩ ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመርካን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ህጹጹ ጉባኤ ዞባን ናእድኡን ሞጎሱን ብምግላጽ፡ ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰዲህኤ ኣብ ተወሲኑ ዘሎ ቦታን ግዜን ክፍጸም ዘለዎ ሰናይ ትምኒትን ትጽቢትን ገሊጹ።  

ዓወት ንቃልሲ ውጹዕ ህዝብና!

ስዕረት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

Last modified on Sunday, 26 November 2017 23:39