ሎሚ መዓልቲ ቀዳም 18 ሕዳር 2017 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተጸወዐ ናይ ኣባላት ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ ህዝብና ብመላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ንምዝካር ብናይ ሕልና ጸሎት ተኸፊቱ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣጀንዳ ተመያይጡ፡
1) እዋናዊ ሓበሬታት፡
2) ብናይ ጎሽጓሽን ናይ ገንዘብን ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን ሽማግለታት ናይ ስራሕ ጸብጻብ ቀሪቡ።
3) ህጹጽ ጉባኤ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየደሉ ግዜን ኣገባብን ወሲኑ።
ክንዕወት ኢና!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
18 ሕዳር 2017