Print this page

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንእገዳ ሶማልያን ኤርትራን ንኽናዋሕ ወሲኑ

2017-11-15 10:56:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2525 times
Rate this item
(0 votes)

15 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት (UNSC) ብሰሉስ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ እገዳ ሶማልያን ኤርትራን ንክናዋሕ ዘኽእል ውሳኔ ቍጽሪ 2385 ኣጽዲቕዎ።

 

ነዚ ውሳኔ’ዚ 11 ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ደጊፈንኦ፡ ዝተቓወምት ሃገር ኣይነበረትን፡ 4 ድማ ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ገይረን። እተን ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ዝገበራ ሃገራት ሩስያ፡ ቺና፡ ግብጽን ቦሊቭያን ኢየን።

 

ነቲ ንድፊ ውሳኔ ዘቕረበት ዓዲ እንግሊዝ ኰይና፡ ኣምባሳደራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ምስ ኮሚቴ እገዳ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ፍልይቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ንኽተሓባበር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ እገዳ ካብ ዝጅምር 8 ዓመቱ ኣቝጺሩ ኣሎ።

Last modified on Wednesday, 15 November 2017 12:42