Print this page

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ

2017-11-06 19:40:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2918 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ5 ሕዳር 2017 ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ካብቶም ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦም ዛዕባታት፡ ተሳትፎ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመድረኽ ተጸዊዑ ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየዶ 8ይ ምዱብ ኣኼባኡ ዘተኮረሎም ዛዕባታትን ዝወሰኖም ውሳነታትን፡ ከምኡ እውን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝጐሃሃር ዘሎ ተቓውሞታትን ዝብሉ ይርከብዎም።

ኣቦ መንበር ኣብዚ መብርሂኡ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ዝነበረና ተሳትፎ ነቲ ሰልፍና ኣቐዲሙ ዘውጸኦ ናይ ብሓባር ምስራሕ ናይ ዘተ እማመና  ንምንጽብራቕን ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ምልውዋጥ ሓሳብን ዝሓገዘ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ንመጻኢ እውን ነቲ “ምስ ኩሎም ኤርትራዊ ወገናት ተራኺብካ ብሓባር ዘስርሕ መዋጸኦ ምርካብ” ዝብል ርኢቶና ብዘንጸባርቕ ክንቅጽሎ ከም ዝግብኣና ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን  ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየድዎም ምዱባት ኣኼባታት ዘተኮርሎም ነጥብታት ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ዘስፈርዎም ቀዳምነታት ሓቢሩ፡ ኣባላት ሰልፊ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ንኹሉ ዕንቅፋታትን ብደሆታትን ብጽንዓትን ተወፋይነትን እናሓለፉ ኣብ ምትግባር እቲ ዝተተለመ መደባት ሰልፊ ከም ዝተግሁ እምነቱ ዝለዓለ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብዚ ንህልዊ ጥሕሰት መሰላትን ጸረ ህዝቢ ግህሰታትን ጉጅለ ህግደፍ ንምቅዋም ዝካየደ ዘሎ ምልዕዓላት ከኣ ኣባላት ሰዲህኤ ከከም ኩነታት ከባቢኦም ተሳትፈኦም ከሕይሉ ኣተባቢዑ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ዝርዝር መብርሂ ኣቦ መንበር ብምስማዕ፡ ኣብቶም መብርሂ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ግቡእ መልሲ ተዋሂቦም። ኣብዚ ኣዝዩ ስኒት፡ ምርድዳእን ዘነኣድ ተሳትፎን ዝነበሮ ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ተሃዋሲ መድረኽ፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ እማመና ምስ ዝኾነ ቅሩብ ኣካል እንገብሮ ርክብ ጥንቅቑን ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮታት ዝመሃርን ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣንጸባሪቖም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ቀንዲ ኣትኩሮና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ክኸውን ርዱእ ኮይኑ፡ ምስ ካልኦት ከማና ደለይቲ ለውጢ ሓቢርካ ምስራሕ’ውን መተካእታ ዘይብሉ ዕማም ስለዝኾነ፡ እዞም ክልተ ዕማማት ተመላሊኦም ዝኸድሉ ኣገባብ ምኽታል ከም ዘድሊ ብዙሓት ተሳተፍቲ ብተገዳስነት ኣንጸባሪቐምዎ።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባ ኮነ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሰልፋዊ ተግባራት ንዘርእይዎ ተሳትፎን ተውፋይነትን ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን መሪሕነት ከምዚ ዓይነት መድረኻት እንዳፈጠረ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምዕባለታትን መደባት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን መብርህታት ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣኼባኡ ደምዲሙ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ተሳተፍቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንዝተሰወአ ውፉይ ተቓላሳይ ነፍስሄር ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ዘኪሮም።

Last modified on Monday, 06 November 2017 20:46