Print this page

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ኣኼባ ኣካይዱ

2017-11-03 14:11:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2549 times
Rate this item
(0 votes)

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ..ህ.ዲኤ.) ብ28 ጥቅምቲ 2017፣ ብኣብ ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝተመዘዘ ሓድሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፍስሃየ ሓጎስ ተመሪሑ ኣኼባ ኣካይዱ።

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ብኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከገልግሉ ዝጸንሑ እሞ ዝቕጽሉ ዘለዉ ኣባላትን ሓደስቲ ዝተወሰኹን ዝቖመ ስለዝኾነ፡ ሕድሕድ ናይ ኣባላት ምልላይ ድሕሪ ምፍጻም ብዛዕባ ክካየድ ዝጸንሐ ዕማማትን ኩነታቱን ዝሕብር ዝርዝር ጸብጻብ ቀሪቡ። 

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ነቲ ብሓላፊኡ ተነዲፉ ዝቐረበ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተኸሊሱ  ዝጸደቐ ናይ ሓደ ዓመት ውጥን ዕማማት፡ ብዕቱብ ድሕሪ ምምይያጥን ምርድድዳእን ንነብስወከፍ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ዝመሓደሩ ክፍልታት ሓለፍቲ ብምምዛዝ፡ ዝርዝር ናይ ትግባረ ዕማማት’ውን ሓንጺጹ።

ብጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ በብእዋኑ ዝጸሓፉ ዜናታት፡ ዝተሓትሙ መጻሕፍትን ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ዝቐረቡ ጸብጻባትን ምንባሮም ኣኼባ ተመያይጡሉ፡ እንተዀነ ግን ቁርጽራጽ ሓበሬታ ስለዝኾነ ኣከታቲሉ ብጥርኑፍ ዝቐረበ ሰነድ መወከሲ ስለዘየልቦ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ከም ሓደ ክፍሊ ብምምዳብ፡ መጽናዕቲ ብምክያድ ዝስንድ ሓላፍን ተሓባበርትን መዚዙ።

ኣብ መደምደምታ ነቲ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ትካላት ቤት ጽሕፈት፣ ብዝያዳ ክድልድልን ክሰፍሕን ኩሉ ዝድለ ንጥፈታትን ጻዕርታትን ከካይድ ምዃኑ ምምሕዳር ኣስሚሩ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ዕንወት ንምልኪ
ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት

Last modified on Friday, 03 November 2017 15:17