Print this page

ስሩዕ ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ ሽወደን

2017-11-03 14:06:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2381 times
Rate this item
(0 votes)

ጨንፈር ቁ.2 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገረ ሽወደን ብ28 ጥቅምቲ 2017 ምልኣት ኣባላት ኣብ ዝተረጋገጸሉ ስሩዕ ኣኼባኡ ከም ዘካየደ ካብቲ ቦታ ዝተላእከ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝተኻየደን ንሓያሎ ሰዓታት ዝቐጸለን ኣኼባ ጨንፈር ናይቲ ጨንፈር ኣቦ መንበር ድሕሪ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ዝተፈላለዩ እዋናውያን ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓበሬታታት’ውን ናብ ተሳተፍቲ ኣቕሪቡ።

ኣብዚ ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ሃለዋትን ምዕባለን ጨንፈር፡ ምውሳኽ ኣባላት ጨንፈርን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታት ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ብመሪሕነት ጨንፈር ዝቐረበ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ ኣኼባ ብዝርዝር ቀሪቡ ተመያይጠምሉ። ብዘይካዚ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት በመልክዕ ዘዋሪ መልእኽቲ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ተነቢቡን ተመያይጠምሉን። ከምኡ ከኣ ንጽፉፍ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ጨንፈር ዝምልከት  ጸብጻብ ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ኣጀንዳታት ዝቐረበ ነጥብታት ብሩህን ንጹርን ከም ዝኾነ ምስ ተነጸረ፡ ተሳተፍቲ ብመሪሕነት ሰዲህኤ ተተሊሙ ዝስረሓሉ ዘሎ፡ መደብ “ምሕዳስ ሰልፊ” ብምሉእ ልቦም ከም ዝድግፍዎን ክዝሰርሕሉ ቅሩባት ምዃኖምን ኣረጋጊጾም። እዚ ጨንፈር ካብቶም ኣኼባታቶም ብስሩዕ ዘካይዱ ጨናፍር ሓደ እዩ።

Last modified on Sunday, 05 November 2017 19:23