Print this page

ጋዜጣዊ መግለጺ: ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ

2017-11-01 09:25:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4751 times
Rate this item
(0 votes)

ስርዓት ህግዲፍ፡ ከም ኣመሉ፡  ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ (ብልምዲ መድረሳ ስታዝ በሺር መሓመድ ኑር) ተባሂላ እትፍልጥ ቤት ትምህርቲ ኢዱ ከእቱ ፈቲኑ፡ ካብ መምህራንን ተመሃሮን ወለድን ተቓውሞታት ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ፡ ናይ’ዚ ቀረባ መዓልቲ ዜና ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ሓላፊ ቤት ትምህርትን መምህራንን ነቲ ብስርዓት ህግዲፍ ዝቐረበሎም ናይ ስርዓት-ትምህርቲ ምልውዋጥ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ክምሃሩ ኣለዎም ዝብል ጸቕጢ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ወይ መቕንዓት ጌረን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ከይውሃብ ዝብል መምርሒታት ስለዝተቓወሙ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንህዝቢ ንምርዓድ ሓላፊ ቤት ትምህርትን ገለ መምህራንን ብለይቲ ካብ ገዝኦም ጨውዩ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ተፈሊጡ።

 

 

ሰሉስ  ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ፡ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ኣኽርያን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ፡ ተቓውሞኡ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምግላጽ ኣብ ጽርግያ ኣብ ዝወጽሉ፡ ወተሃደራት ህግዲፍ ጠያይቲ ብምትኳስ ከርዕድዎን ክብትንዎን ፈተኑ።

 

እቲ ተቓውሞ ግን፡ ደኣ ኣብ ካልእ ቦታታት ኤርትራ (ከረን ኣቝርደትን ኣፍዓበትን፡  ከምዝለሓዀ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ምንጪታት ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።

 

ስርዓትህግዲፍ፡ኣብሃይማኖታዊጕዳያትኢዱእናእተወገዛዚዑንምግዛእ፡ ንብረት ኣብያተ-ክርትያናትንምውራስ፡ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ንጳጳስ ኣውሪዱ ናቱ ጳጳስ ዝሸይም፡ ንገዳማት ዝደፍርን ንብረተን ዝሰልብን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት  ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ዘገድድ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ጥርዓንን  ተቓውሞኡን  ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ዝገልጽ ዝነበረ ኣጽዋር ይኹን ዕጥቂ ዘይብሉ ህዝቢ ብወተሃደራት ህግደፍ ዝተፈነወሉ  ናይ ጠያይቲ ተዅስን ማህረምትን ይኹንን። ስርዓት ህግዲፍ ነቶም ኵሎም ኣሲርዎም ዘሎ መምህራንን ወለድን ተመሃሮን ብህጹጽ ክፈትሖም ድማ ይጠልብ። መላእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ግፉዓቱን ውጹዓትን ደው ክብሉን ንኣውያቱ ከቃልሑን ይምሕጸን።

 

ሓድነት ኣፍሪቃን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ድማ ኣብ ልዕሊ ኵለን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ዓፈና ክዅንንኦ ይጽውዕ። 

 

ዓወት ንሰላማዊ ህዝባዊ ተቓውሞ!!

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

31 ጥምቲ 2017

Last modified on Wednesday, 01 November 2017 11:22