Print this page

ንቅልውላውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ኮንፈረንስ ብሩሰልስ ወ/ሮ ኪታሩዝን ካለኦት ክኢላታትን መደረ ኣስሚዖም

2017-10-22 10:58:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4027 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ እዋንዚ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣገዳሲ ኮይኑ ዝምዕብል ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታትን ብዝምልከት ብዙሓት ክኢላታት ዝተሳተፍሉ ኮንፈረንስ ኣብ ብሩሰልስ ብ19 ጥቅምቲ 2017 ተኻይዱ። ኣብዚ ኮንፈረንስ ዝተነጸረ ዓብይ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ኩሉቲ ናይ ሓሶትን ምጽብባቕን ገዲፍካ ዝኾነ ለውጢ ዘየለ ምዃኑ’ዩ። እዚ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተገልጸ ብሓላፊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ኪታሩዝ እዩ። ንሰን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነትን ጸልማትን ብቀሊል ሓረግ “ማእሰርቲ ክሳብ ሞት” ዕድል ኤርትራዊ እሱር ኣብዚ እዋንዚ ብዝብል ገሊጸንኦ።

 

እዚ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ብሩሰልስ ብወኪል ሓንቲ ካብ ግዝእት ጀርመን ሀሰን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ተዳልዩ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ጥራይ ኣይኮነን ኣነጺሩ። ብዘይካዚ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሎምን መጻኢ ህይወቶም ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ዝጠቐሰ ነይሩ። ኣብ ምድላው እዚ ኮንፈረንስ ካብ ዝተሳተፉ፡ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ፡ ኣማኸርቲ ወጻኢ ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን፡ ዓለምለኸ ጸረ ውግእን  ይርከብዎም።

 

እቲ ኮንፈርንስ ብዘይካ ናይ ግዳያት ምስክርነት ምስማዕ፡  ፍሉጣት ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ከም በዓል ፖርቱጋላዊት ኣና  ኣናጉመዝን ፈረንሳዊ ማሪየ ክርቲን፡ ከምኡ እውን ኤርትራዊ ፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብን  ዝርከብዎም መደረታት ኣስሚዖም። ኣብዚ ኮንፈረንስ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ተሳቲፎም። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ድማ ኣብዚ ኮንፈረንስ ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማር  ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያት ኣብዚ ኮንፈረንስ ተወኪሉ።

 

ካብቲ ወደብቲ ኮንፈረንስ ዘሰፈርዎ መበገሲ ነጥብታት ብምንቃል፡ ወ/ሮ ሸይላ ኪታሩዝ፡  ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ካብ ዝሕዘኦ 2012 ጀሚሩ ዝተዓሙ ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ንመጻኢ በቶም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጉዳያት ንምቕያር ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦ ዘርዚረን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ብመርማሪ ኣካል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንተሓታትነት ተደራራቢ  ገበነናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበጸሖ መደምደምታ ናይ ተግባር ስጉምቲ ይጽበ ከም ዘሎ ጠቒሰን፡ ኤርትራውያን ንጡፋት ከተኩሩሉ ከም ዝግበኦም ሓቢረን። ኣተሓሒዘን ድማ ንሓደሓደ ዝተደናገሩ ወገናት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ምስራሕ ማለት ትምህርቲ ማለት ከም ዘይኮነን፡ ማእከላት ሕክምና ምስራሕ ጥራይ ሕክምና ክኸውን ከም ዘይክእልን ብምጥቃስ መኺረን። ወ/ሮ ኪታሩዝ ኣብ መወዳእታ 5ይ ዓመተን ካብዚ መዝነት ከም ዝለቃ ጠቒሰን፡ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብቲ መዳይ ዝነጥፉ ኣካላትን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ንክኸውን ዕማም ራፖርት ሰብኣዊ መሰል ንምንዋሕ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ዘዕግብ ስራሕ ክሰርሑ ተስፋአን ጠቒሰን’

 

Brussels Conference on Eritrean Refugee Crisis 21.10.2017 2

 

እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ኮንፈረንስ ሰለስተ ተዛመድቲ ክፋላት ነይረምዎ። እቲ ቀዳማይ ክፋል ኣኼባ ንኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቑባ ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጥሞም ዘሎ ብደሆታት ዝምልከት ነይሩ።  ኣብ ሲናይ ኣጻብዕቱ ዝሰኣነ ግዳይ ፊልሞን ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ኣኼባ ዝሃቦ ምስክርነት ብምኽታል፡ ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ፕሮፈሶር ኣብ ዩኒቨርስቲ፡ ምዝንባል ብሰንኪ ጥሕሰት እቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ይገድድ ኣሎ ኢሎም። ዶ/ር ዳኒኤል መኮነን ካብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ብወገኖም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብታ ሃገር ለውጢ ከይመጸ፡ ካብታ ሃገር ጽቡቕ ዜና ኣይክስማዕን እዩ ኢሎም። ዶ/ር ሳራ ካብ ዓባይ ብሪታንያ ብወገነን ኣላዪ ዘይብሎም ህጻናት ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ ናይ ቋንቋ ጸገምን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣዝዩ ከም ዘጸግሞም ጠቒሰን። ካለኦት ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈርስን ብወገኖም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ይገጥሞም ንዘሎ ጸገማት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ኣቅሪበምዎ። 

 

Brussels Conference on Eritrean Refugee Crisis 21.10.2017 3

 

2ይ ክፋል ናይቲ ኣኼባ  ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝካየድ ዘሎ ግዱድ ዕስክርናን ናይ ጉልበት ብዝበዛን ዝምልከተ ነይሩ።  ካብ ከረን ተበጊሳ ምድረበዳን ባሕርን ኣቋሪጻ ኤውሮጵ ዝበጸሐት ጓል 16 ዓመት ተመርጻ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታትን ናብ ኤውሮጳ ክትሰግር እንከላ ዝነበረ ኩነታትን ዝምልከት ናይ ምስክርነት ቃላ ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ኣቕሪባ። ደራሲ ዳዊት መስፍን  ክሕደት ህልዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኩለን ኣብ ወጻኢ ዝነብራ ኤርትራውያን ኣደታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኣተን ኣብ ዝሓለፈ 30 ናይ ቃልሲ ዓመታት ምእንቲ ናጽነት መስዋእቲ ዝኸፈላ ኤርትራውያን ኣደታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ብዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ወ/ሮ ሰላም ኪዳነ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኣሉታዊ ጽልዋ ግዱድ ዕስክርናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን ኣብሪሀን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሌክስ ጃክሶን ካብ  ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኖም  ኣገዳስነት ሓድነት ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ንምቕያር ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት መብርሂ ሂቦም።፡  

 

ኣብቲ 3ይን መወዳእታ ክፋል ኣኼባ፡ ካብ ባረንቱ ብወገን ሸገራብ ናብ ሱዳን ወጺኣ በቲ ነዊሕን ሓደገኛን መስመር ጉዕዞ ኣቢላ ኣብ በልጂም ዝበጸሐት ሓያት  ተመኩሮኣ ኣቕሪባ። ነዚ ናይ ሓያት መግለጺ ተኸቲሎም ከኣ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ካብ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ ዳርጋ መሰል ስደተኛ የለን ዘብል ኣተሓሕዛ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። ፕሮፈሰር ሚርያም ዳይረተር ኣማኻሪ ወጻኢ ፖሊሲ ኤውሮጳ ብወገነን፡ ብዛዕባቲ ዘሕዝን ኩነታት ህይወት ምድረበዳ ሲናይ ንተሳተፍቲ ኣዘኻኺረን፡ ግዳያት ካብ ኣስገርቲ ሰባት ንምክልኻል ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰርሐት ጠቒሰን። ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብወገኖም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳውያን ንዘይኮኑ  ስደተኛታት ግቡእ ኣተሓሕዛ ከምዘይግበረሎም ኣመልኪቶም። ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ፕላውት ብወገኖም ብዛዕባቲ ሕብረት ኤውሮጳ  ስደተኛታት ናብኣ ከይኣትዉ ብዝብል ንፍሪቃውያን መለኽትን ናይ ውግእ አጋውስን እትህቦ ሓገዝ ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣብ ሊቢያ ንዘለዉ መራሕቲ ምሊሻን ንመንግስቲ ሱዳንን ዝወሃብ ገንዘብ እሞ፡ ዶባት ክሕልዉ ብዝብል ናታቶም ዓመጸኛ ዕጡቓት ዝቖጽሩሉ ኣገባብ ኮኒንምዎ።

Last modified on Sunday, 22 October 2017 13:09