ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 15.10.2017 ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት እዩ ኣካይዱ። እዚ ንክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብሰላምታን ብደሓን እንቋዕ መጻእኩም ብምባልን ምስ ተኸፈተ፡ ኣብቲ ነቲ ዕለት ተታሒዙ ዝነበረ ኣጀንዳታት ተኣትዩ።
እዚ ኣጀንዳታት እዚ ሓደ ብሓደ ተዘሪቡሉ። ብኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተጋዳላይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፉ ድማ ብዛዕባ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ‘ዚ መንእሰያት ኣብቲ ዝነበረ ኣጀንዳታት ሕቶታት እናኣልዓሉ ብአቦ መንበር ሰልፊ ይኹን ብኣባላት ኣዕጋቢ መልስታት እናተዋህበ መሃሪ ዝኾነ ጽቡቕ ምርድዳኣት ተኻይዱ።
ገለ ካብቶም ብፍላይ ብመንእሰያት ዝለዓሉ ዝነበሩ ርእይቶታት ድማ - ኣብ‘ዚ ግዜ‘ዚ ህግደፍ ጭቆናኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናኣትረሮ እኸይድ ምህላዉን፥ ኣብ ስደት መንእሰያት ክገብሩዎ ዝግባእ ነገራትን፥ መንእሰያት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝተነፍጎም መሰል ኣብ‘ዚ ተሰዲዶሙሉ ዘለዉ ሃገራት ስለ ዝረኽቡዎ ዘለዉ፡ እዚ ዕድል‘ዚ ተጠቒሞም ክመሃሩን ክምዕብሉን ኣብ ስራሕ ክጽመዱን ከም ዝግብኦም፥ ጀርመናውያን ባዕሎም ኣብ ፓርላማ ብዛዕባ ሽግርና እናተዛረቡስ ንሕና ሽግር ከም ዘይብልና ኣብዘየድሊ ንነብስና ሃሰይቲ ነገራትን ክንኣቱን ክንበኣስን ክርእዩና ከለዉ ኣዝዩ ዘሕፍር ስለ ዝኾነ፡ ብሕጊ ምኻድን ምክብባርን ምጥርናፍን ጌርና ንመሰልና ክንቃለስ ኣሎና፥ መንእሰያትና ናብራ ምስ ስድርኦም ከይጸገቡሉ፣ ክሳብ ትሕቲ ዕድመ እንከለዉ እናተሰደዱን ክንርኢ ከሎና፡ ከም ኣቦን ከም ኣደን ኴንና ክንኣልዮምን ክንምዕዶምን ኣሎና ዝብሉ ኣረምቲ ሓሳባት ኔሮም።
ኣብ መወዳእታ ድማ መንእሰይ ክብሮም፡ ብዛዕባ እቲ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺኡ፥ ‘‘ ካብዚ ዝሓለፈ ውግእ ብዙሕ ተማሂርና ኢና፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ጎንና ዝነበራ ሃገራት ኣይነበራን፡ ስለዚ ከምዚ ኢልና ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና ” ብምባል ካብ እገዳን ካብ ተነጽሎን ክሃድም ዝገብሮ ዘሎ ምዕልባጥ ኣብሪሁ። ንህዝቡ እናኣጥመየን እናገፍዐን ድማ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ስደት ብወለድን ብጸላእትን ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ ንዞባ ደቡብ መግለጺ ብምሃብ ካብ ተሓታትነት ክሃድም እፍትን ምህላዉን ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼበኛ ነቲ ብሰልፍና ዝካየድ ዘሎ ምሕዳስ ሰልፍን፡ ቅዋማውን ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ኣሞጒሱን ብጽንዓት ክንሕልዎ ከም ዘሎና ድማ ኣስሚሩሉ።፡ ነቲ ምስ ካልኦት ውድባትን ማሕበራትን ሓቢርካ ንምስራሕ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት ድሕሪ ምምጓስ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉት ተደምዲሙ።