Print this page

ናይ ቅድም ከንቲባ ላምፓዱሳ ንልዕሊ 360 ኤርትራውያን ግዳያት 2013 ዘኪረን

2017-10-12 12:08:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3041 times
Rate this item
(0 votes)

ናይ ቅድም ከንቲባ ላፓዱሳ ወ/ሮ ጊዩሲ ኒኮሊኒ፡ ብዩኒቨርስቲ ጀነቫ “ላፓዱሳ ማእከል ቅልውላው ስደተኛታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰሚና ብ11 ጥቅምቲ 2017 ንልዕሊ 600 ተሳተፍቲ ቃል ኣስሚዐን። ንሰን ኣብቲ ዘስመዐኦ ቃል፡ ነቲ ኣቐንዛውን ኤውሮጳ ስጉምቲ ክትወስድ ዘበራበረን ኣሰቃቒ  ተረኽቦ  ላምፓዱሳ “ኣይርሰዖን እየ” ኢለን።

ንሰን ኣተሓሒዘን ቤት ጽሕፈተን ንዝኽሪቶ’ም ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ ግዳያት 366 ፈልሲ ኣእዋም ተኺሉ ኢለን። ዕላማ ናይዚ ኣእዋም ምትካል ከኣ ነባሪ እታ ከተማ ነቶም ግዳያት ምእንቲ ክዝክሮም ምዃኑ ጠቒሰን፡ እዚ ካልእ ዝኽሪ ንሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ንከኽእል ዘለወን ተስፋ’ውን ጠቒሰን።

                                               Former Lampedusa Mayor Pays Tribute to Eritrean Victims 2

ወ/ሮ ኒኮሊኒ ኣብ ኤውሮጳን ካልእ ከባብታትን ይምዕብል ብዘሎ ፍልልይ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ስግኣት ከም ዝሓደረን ኣይሓብኣን። ኣተሓሒዘን ነቲ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ናይ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ጽዕነት፡ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ በጺሕዎ  ዘሎ ሱሳ ሚልዮን ኣወዳዲረን ጠቒሰን።

እዘን ናይ ቅድም ከንቲባ ላምፓዲሳ ኤውሮጳ ተዘክሮኣ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝወረደን ኣብ ግዜ ናዚ ቅድሚ 70 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ዝተወስደ ስጉምትን ትርስዕ ኣላ ኢለን። ከምኡ’ውን ዝኾነ ስደተኛ ብእኩብ ዘይኮነ ብውልቁ ብሰብኣውነት ክተሓዝ ይግበኦ ኢለን።

እዘን ወይዘሮ ካብ 2012 ጀሚረን ናይታ 6 ሺሕ ነበርቲ ዘለዉዋ ከተማ ላምፓዱሳ ከንቲባ ኮይነን ኣገልጊለን። ኣብ ናይ 2017 ምርጫ ግና ብሰንኪ ኣብ ስደተኛታት ዘርኣየኦ ሓልዮትን ተወፋይነትን ክምረጻ ኣይከኣላን። እንተኾነ ዋላኳ እንተዘይተመርጻ ናይቶም 300 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ማያት ላምፓዱሳ ዝደሓኑ ስደተኛታት ዓርክን ከንቲባን ክኾና ምኽኣለን ከም ዘሕጉሰን ገሊጸን። ንሰን ከም ዝበለኦ ላምፓዱሳ ዘርኣየቶ ሰብኣውነትን ልግስን ካለኦት’ውን ከምኣ ንክኾኑ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ክሳብ 20 ሺሕ ሰባት ኣብማያት ባሕሪ ሚዲተራንያን ከም ዝጠፍኡ ይግመት። ካብዚኦም ብዙሓት ግና ድማ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን እዮም።

Former Lampedusa Mayor Pays Tribute to Eritrean Victims 3

ደድሕሪዚ ዘሕዝን መደረ ከንቲባ ላምፓዱሳ ነበር ኒኮሊኒ፡ ናይቲ ኣኼባ ዘዳለወ ዩኒቨርሲቲ ዲን ፕሮፈሶር ይቨስ ፍሉቺንገርን ኣቶ ሎንግቻምፕ ፕረሲደንት ረፓብሊክን ካንቶንን ጀነቫ ብዛዕባ ህልዊ ጸገማት ስደተኛታትን ኣገዳስነት ምሕላው ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ኩሉ መዳያትን ቃል ኣስሚዖም።

ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል ብዩኒቨርሲቲ ጀነቫ ዝተዳለወ ሰሚናር ኣብ 12 ጥቅምቲ 2017 እቶም ሓድሽ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰል፡ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣቶ ፈሊፐ ጎንዛለስ ሞራለስ መደረ ከምስምዑ እዮም።

Last modified on Thursday, 12 October 2017 14:17