Print this page

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ  ኣኼባኡ ኣክይዱ

2017-10-08 09:52:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2835 times
Rate this item
(0 votes)

ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ7 ጥቅምቲ 2017 ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባኡ ዝተለሞም ዓበይቲ ጉዳያት መሰረት ብምግባር ብነፍስወከፍ ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበ ዓመታዊ ንድፊ መደብ ዕዮ ብዝርዝር ተመልኪቱ። ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ከኣ ናይ ማእከላይ ባይቶ ርኢቶ ተወሲኽዎ ናይ መጻኢ ሓደ ዓመት ትልሚ ንክኸውን ተሰማሚዑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፈጻሚት ሽማግለ ነቲ ዓመታዊ ትልሙ መስረት ብምግባር፡ ኣብ ቀጻሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቡ ዝሰርሓሎም ጉዳያት ኣነጺሩ። ካብ’ቶም ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሎም ዝወጠኖም ነጥብታት፡ ናይ ህዝብን ኣባላትን ኣኼባታት ምክያድ፣ ከምኡ’ውን፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ኤርትራ ርክባት ምግባርን ዝብሉ ይርከብዎ።

ኣኼባ ኣብ መኽፈቲኡ ንህልዊ ኩነታት ሰዲህኤ፡ ንደንበ ተቓውሞን ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ዘሎ ኩነታትን ካልኦት ከባቢያዊ ምዕባለታትን ዝምልከት ሓበሬታታት ተለዋዊጡ ኣብ ነፍስወከፎም ድማ ሚዛኑ ኣንቢሩ። በዚ መሰረት ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሕጋውነትን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን ሰዲህኤ ክስንዘሩ ዝጸንሑ ፈተነታት መሰረት ዘየብሎምን ዘይሓላፍነታውያን ምንባሮም ኣመዝጊቡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ ኣብ መንጐ ክልተ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ፡ ዝለዓለ ስልጣን ሰልፊ ዘለዎ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰልፊ፡ ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያንን ንመትከላት ሰዲህኤ ኣብ ምዕዋት ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ከካይዱ ተማሕጺኑ።

Last modified on Sunday, 08 October 2017 11:55