ብዕለት 30 መስከረም 2017 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን፡ ብተሳታፍነት ላዕለዎት ኣባላትን፡ ኣቦ ወንበራት ጨናፈር ሰዲህኤን፡ ሓያሎ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤነበርን፡ ብዙሓት ደልይቲ ለውጢ ህርኩታት መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ብዓወት ተዛዝሙ። ጉባኤ ብኣደ ወንበር ማሕበር ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኢሳቅ ተኸፊቱ፡ ልክዕ ህልዊ ኩነታት ጽጉማን ኣሕዋት ኣብ መደበር ከሰላ ገሊጻ ።
ተወሳኺ ኣባላት ቦርድ ናይቲ ማሕበርዝኾኑ፡ ሓው ጸሃየ ቀለታን ሓውቲ ገርጊስ ነጋሽን ጨንፈር ሽወደን ንማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብፍላይዘበርከቶ ኣገዳሲ ሓልዮትን ተወፋይነትን ብዝርዝር ሓቢሮም። ቀጺሉ ተሓዝ ገንዘብ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ብጠቅላላ ተቋጻጻሪ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ኣቅረበ። ስዒቡ ኣብ ምምራሕ ዝጸንሐት ሽማገለከተካይዶ ብዝጸንሐት ዕዉት ስራሕ፡ ንዓመተ 2017 2018 እውን ዝነበረት ምምሕዳር ሽማግለ ንክትቅጽል ብግባኤኛታት ንዝቐረበላ ሕቶ፡ ብተወፋይነት ስለዝተቐበለቶ ብሙሉእ ጉባእተኛ ድማ ምስጋና ቀሪቡላ።
ብድሕሪኡ በተን ዘይሕለላ ዉፉያት ክልተ ዋዕሮታት ኣልጋነሽን ገርጊስን ዝተዳለወ ሙቁር መግብን ቅጫን እናተኣንገደ፡ ብሓቂ ብዘደንቅ ሙዉቅ ሃብታም ምሽት ናይ ልዝብ ኣስተምህሮን ክትዕን ኣብ ብህልዊኩነታት ሃገርናን ህዝብና ክሳብ ሰዓት 22.00 ከም ዘምሰየ ወኪል ድምጺ ሓርነት ካብ ስቶኮልም ሓቢሩ።