8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ09ን 10ን መስከረም 2017 እውን ቀጺሉ። ኣብ ናይ ዕለት 09 መስከረም 2017 ዝተዘርበሉ ዛዕባ፡ ጕዳይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ እዚ ዝስዕባ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ኣብ ናይ ዕለት 10 መስከረም ውዕሎኡ ድማ፡ ነቲ ብኮሚቴ ምሕዳስ ሰልፊ ዝቐረበ መጽናዕቲ ድሕሪ ምምይያጥ ኣጽዲቑ። ነቲ መስርሕ ምሕዳስ ንምትግባር ዝድለ ቅጥዕታትን መጽናዕትን ዘቕርብ ኮሚሽን ድማ መዚዙ። ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ኣዋርሕ፡ ፍሉይ ኣኼባታት እናጸውዐ፡ ንጸብጻባት ኮሚሽን ክሰምዕን ዘድሊ ውሳኔታት ክወስድን ኢዩ።
ከምኡ’ውን፡ ጠቕላል ተቖጻጻሪ ሰልፊ ሓው ዘርኣብሩኽ ገብረታትዮስ ክኸውን ብምሉእ ድምጺ መሪጹ።
ኣኼባኡ ምስ ተወደአ ከኣ ንብምሉእ መስርሕ እቲ ኣኼባ ዝምልከት ሰፊሕ ደምዳሚ መግለጺ ከውጽእ ወሲኑ ኣሎ።
ዝስዕብ ኣኼባኡ ድማ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 17 መስከረም 2017 ክኸውን ኢዩ።