Print this page

8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ይቕጽል ኣሎ

2017-09-11 04:37:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4020 times
Rate this item
(0 votes)

8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ09ን 10ን መስከረም 2017 እውን ቀጺሉ። ኣብ ናይ ዕለት 09 መስከረም 2017 ዝተዘርበሉ ዛዕባ፡ ጕዳይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ እዚ ዝስዕባ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

  1. ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበር ንእተካይዶ ዘላ ኢደ ወነናዊ ምንቅስቓሳትን ተውጽኦም ዘላ መግለጺታትን፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንትካላቱ ዘይምልከቱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
  2. ነቶም ንውሳኔታት ኣብ ካልኣይ ጕባኤ እተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ንመምርሒ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ህጹጽ ጕባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ተቐቢሎም ዝኸዱ ዘለዉ ኣባላት  መሪሕነትን መሰረታትን’ቲ  ዞባ ምስጋናኡ ገሊጹ።
  3. ማእከላይ ባይቶ ንኹሎም ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኣባላት ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ  ህጹጽ ጕባኤ ተሳቲፎም ርእይቶኦም ከቕርቡን ምስታ ብሰልፊ ወጺኣ ዘላ ኣሰናዳኢት ሽምግለ ክተሓባበሩን ይጽውዕ።

ኣብ ናይ ዕለት 10 መስከረም ውዕሎኡ ድማ፡ ነቲ ብኮሚቴ ምሕዳስ ሰልፊ ዝቐረበ መጽናዕቲ ድሕሪ ምምይያጥ ኣጽዲቑ። ነቲ መስርሕ ምሕዳስ ንምትግባር ዝድለ ቅጥዕታትን መጽናዕትን ዘቕርብ ኮሚሽን ድማ መዚዙ። ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ነፍስወከፍ ክልተ ኣዋርሕ፡ ፍሉይ ኣኼባታት እናጸውዐ፡ ንጸብጻባት ኮሚሽን ክሰምዕን ዘድሊ ውሳኔታት ክወስድን ኢዩ።

ከምኡ’ውን፡ ጠቕላል ተቖጻጻሪ ሰልፊ ሓው ዘርኣብሩኽ ገብረታትዮስ ክኸውን ብምሉእ ድምጺ መሪጹ።

ኣኼባኡ ምስ ተወደአ ከኣ ንብምሉእ መስርሕ እቲ ኣኼባ ዝምልከት ሰፊሕ ደምዳሚ መግለጺ ከውጽእ ወሲኑ ኣሎ።

ዝስዕብ ኣኼባኡ ድማ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 17 መስከረም 2017 ክኸውን ኢዩ።

Last modified on Monday, 11 September 2017 11:55