Print this page

ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2017

2017-08-12 10:13:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3216 times
Rate this item
(0 votes)

 

ክቡራት ወከልቲ ፖለቲካውንን ሲቪካውንን ማሕበራት ኤርትራ ብሓበራ

ክቡራት ዕዱማት ኣጋይሽናን

 

 

ኣቐዲመ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ንዕድሜና ኣኽቢርኩም ኣብ ናይ 2017 ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ክትካፈሉ ንዝመጻእኩም ኣጋይሽና ክብ ዝበለ መጐሰይ ክገልጸልኩም እፈቱ።

 

ቀጺለ ንኣሰናዳኢት ፈስቲቫል ኤርትራን ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ከምዝኣመሰለ ፈስቲቫል ንምእንጋድ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዘሎኒ ኣድናቖትን መጐስን ክገልጸሎም ክብሪ ይስምዓኒ፤ ክብረት ድማ ይሃብኩም።

 

ናይ ሎሚ ፈስቲቫል ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ማይ፡ መግቢ፡ መብራህቲ፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰል ሰላምን ኣብ ዝሳቐየሉን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያትና ንስደት ኣብ ዘምርሕሉን፥ ምልኪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ዜጋታትና ኣብ ዝኸረረሉ፥ መሬት፡ቀላያትን ሰማያትን ኤርትራ መዐንደሪ ናይብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ ኣንጻር የመን ኣብ ዝዀነሉ፤ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ፡ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከበሉ፡ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ናይ ውግእ ድነ ኣብ ዝዝምብየሉ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ደምበ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡መኣዝኑ ኣጥፊኡ ዕንይንይ ኣብ ዝብለሉን ናይ ምብትታን ምፍንጫልን ተረኽቦታት ኣብ ዝዓምበበሉን ሃለዋት ኢና ንርከብ ዘሎና።

 

እዚ ክልቲኡ ተረኽቦታት ተደማሚሩ ንኤርትራ ናብ ፍሽልቲ ሃገር ምዃና ዘምርሕ ምልክታት ስለዝዀነ፡ኵሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝሓስብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ንምድሓን ቆሪጹ ክብገሰሉ ዘለዎ ናይ ኣፈርክቡ ሃለዋት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ሎሚ፡ ማዕረተነቢሩልና ዘሎ ሓላፍነት ኰና እንተዘይተረኺብና፡ ጽባሕ ብታሪኽ ክንሕተትን ክንውቀስን ምዃና ክንርስዕ ኣይግባእን።

 

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ተመኵሮታት ምቛም ጽላላት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ከም ቀንዲ ጕድለት ወይ ሕጽረት ኰይኖም ንቕድሚት ንኸይንጕዓዝ ሓሊኾም ሒዞምና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ቀዳምነትና ክንሰርዕ ዘይምኽኣልን ኣብ ፋይዳ ዘይብሉ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ናይ ውድድር መንፈስን ተጸሚድና ምጽናሕናን ምዃኖም ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ

ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ገምጊሙ።

 

ስለ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ነዞም ዝስዕቡ 4 ነጥብታት ወይ ዕላማታት ልዕሊ ኵሎም ካልኦት ቀዳምነታት ሰሪዕና ብሓባር ክንሰርሓሎም ከምዘሎና ይኣምንንሳቶም ከኣ፦

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ፡

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ጨቆናዊ መሓውራቱን

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም

4. ብግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ኤርትራ ምእማን ኢዮም።

 

ኣብ’ዞም ዕላማታት እዚኣቶም ዝተሰረተ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝሳተፍሉ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ምቛም ናይ ዘለናዮ መድረኽ እዋናዊ ዕማም ኢዩ ንብል። እዚ ጽላል’ዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝዋስኣ ብውክልና ዘይኰነስ ብኽእለትን ብቕዓትን ናይ ዝምዘዝሉ ዕማም ዝምረጹ ኮሚቴታት ማለት ዲፕሎማስያዊ ኮሚቴ፡ ዜናዊ ኮሚቴን ናይ ህዝባዊ ዕዮ ኮሚቴን ይህልዋኦ።

እዚ ተብግሶ’ዚ፡ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ዘይኰነስ፡ ብልዝብ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ኣካላት ክውሰኾን ክጐድሎን ከምዝኽእል ርዱእ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዝውሰኽ ይኹን ዝጐድል ግን፡ ኵላትና እንሰማምዓሉን ናይ ጽባሕ ዘይኰነስ ናይ ሕጂ ዕማማት ክኸውን ኣለዎ።

 

ኣቕሪብናዮ ዘለና እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንተመሳሰልቲ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክጸናበሩ ዝዕንቅፍ ወይ ዝኽልክል ኣይኰነን። መተካእታ ናይ’ቲ ዘሎ ጽላላት ጌርካ ክውሰድ እውን ኣይግባእን። ካብ’ዚ ብሰልፍና ተኣሚሙ ዘሎ ዝሓሸ ተበግሶ እንተደኣ ቀሪቡልና ድማ፡ ንዕኡ ተቐቢልና ክንሰርሕ ድልዋት ምህላውና ከረጋግጸልኩም እፈቱ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

ኤርትራ፡ ብዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ስደት’ዜ ከኣ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ፖሊሲታቱን ኢዮም።

 

ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምጕዳል፡ ብሓደ ሸነኽ ሓለዋ ዶባቶም ከጠናኽሩ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቶም ዲክታቶርያውያን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክልግሱ ይርኣዩ ኣለዉ።

 

እዚ ግን፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዘሻድን ንነጋዶ ደቂ ሰባት ድማ ዘርብሕ እምበር ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብል ከምዘይኽእል ብግብሪ ይርአ ኣሎ።

 

ዋሕዚ ስደተኛታት ከኽትም ነቲ ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ዝዀኑ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ምልጋስ ወይ ምእላይ ኢዩ ዘድሊ። ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ ነቶም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ዝቃለሱ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ (ተቓወምቲ ፖለቲካውን ሲቪካውን ውድባት) ክድግፉ፡ ነቶም ስደተኛታት ድማ፡ ናይ ዘዘለዉሉ ከባቢታት ቋንቋታት ተማሂሮም ወፊሮም ዝኣትውሉ ስራሕን ሞያውን ኣካዳምያውን ትምህርትን ዝረኽብሉ ዕድላትን ብምፍጣር፡ ምስ ኣዕቆብቶም ዝዀኑ ኣህዛብ ተዋሃሂዶም (integrated ኰይኖም) ዝነብርሉ ኵነታት ክመቻችኡሎም ኢዩ ዝግባእ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

·         በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝውሃብ ዝዀነ ይኹን ደገፍ ደው ክብል ይጽውዕ፤

·         ናይ ፖለቲካ ይኹን ናይ ሕልና እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ ይሓትት፤

·         ንዅሎም ናይ ግዳም ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ኤርትራ ብቕጽበት ክወጹ ይጽውዕ፤

·         ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ብውግእ ከምዘይፍታሕ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺኡ ተበጊሱ፡ ኵሎም ሸነኻት ናይ’ቲ ጐንጺ፡ ብኣህጕራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ክቕየዱን ሰላማዊ መፍትሒታት ከናድዩን ይጽውዕ።

·         ናይ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ናይ ስነኪነት ጕጀለታትን ውልቀሰባትን ንስርዓት ኢሳያስ ንምቅላዕን ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምሕያልን ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ክብ ዝበለ ናእዳኡን መጐሱን ይገልጽ።

 

ጽን ኢልኩም ብምስማዕኩም አመስግን

 

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

5 ነሓሰ 2017

Last modified on Saturday, 12 August 2017 12:30