Print this page

ቃል ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ጀርመን ኣብ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2017

2017-08-07 21:57:05 Written by  Published in EPDP News Read 4604 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽናን ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫልን ብሓበራ፡

ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ,ኣቦ መንበር ሰደህኤ ፡

ዝኸበርኩም ኣቶ ሽተፋን ቫንገንሃይም ልኡኽ ሰልፊ ኤፍደፐ ፡

ዝኸብርክን ወ/ሮ ኣንገላ ሃኒሽ ወኪል ሰልፊ ግሩነን ፍራንክፎርት ፡

ዝኸበርኩም ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤደማን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ክቡር  ግዜኹም ከፊልኩም ፡ ናይ ከባቢኹም ማሕበራዊ ጉድያት ኣጸጊዕኩም ፤ንዝተገበረልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም ፡ ዝተሰማዓኒ ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ ፡ ብስመይን ብስም እቲ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2017 ፡ እንኻዕ  ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋናን ሰላምታን  የቕርበልኩም ።

ኤደማ ጀርመን ዓመት ዓመጸ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ከአንግድ ከሎ ፡ ኣብ ምትህልላኽን ምፍልላያትን ዝተደኮነ ፡ ናይ ድያብሎስ ጸረ ማሕበራዊ ስኒትን ሰላምን ዘይኮነስ ፡ ጥዑይ መንፍስ ሰረቱ ዝገበረ ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ከም ዕላማ ኣብ ፕሮግራሙ ስለዝሰነደ ጥራሕ  እዩ ። እዚ ድማ ካብቲ ዘለዎ ማሕበራዊ እምነትን ሰብኣዊ ሓልዮትን ተበጊሱ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከገልግል ቀዳማይ ቦታ ስለ ዘትሓዞ እዩ ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለምና ዝርከብ ብዓል ውራይ ምዃኑ ኣስተውዒሉ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን ፡ ናይ ገዝእ ርእሱ ናይ ስደት ሃለዋቱን መሰረት ገይሩ ንኽላዘብ ፡ ዝተኸፈተ ማዕጾ እዩ ።

ውጽኢት ኣብ ሃገረ ኤርትራ ናይ ዘሎ ዘይቅዱይ ምሕደራ ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ፡ ንዝፈትዎም ስድራቤቱን መታዓቢቱን ፡ ንትውልዲ ሃገሩን ንድሕሪት ገዲፉ ፡ ስደት ክመርጽ ከሎ ፡ ሰብኣዊ ክብሩ ስለ ዝተገፈ ፡ ናይ ምንባር ሂወቱ ስለ ዝዓጸቐ ፤ ሰላምን ምርግጋእን ስለዝሰኣነ እዩ ። ናይ ስደት ጉዕዝኡ ቀሊል ከም ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍና እንፈልጦን እንከታትሎን ስለዝኾነ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡

ኤደማ ናይዚ ፈስቲቫል 2017 መሪጽዎ ዘሎ መዛረቢ ኣርእስቲ ፤ እቲ ዝበዝሕ ስደተኛ መንእሰይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎ ፤ ሞያዊ ምልመላ ዝጎደሎ ፤ ናይ ትምህርቲ ግዜኡ ኣብቲ ብወታሃደራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ደረት ኣልቦ ማሕዩር ተቆሪኑ ንዓመታት ዝጸንሐ ፡ ኣብቲ እግሩ ዝዓለበሉ ሕብረት ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ተወሃሂዱ ዝነብር ?? እንታይከ ክግበረሉ ኣለዎ ??እቶም ንዓመታት ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ሪዒሞም ዝጸንሑኸ ኣብ ልዕሊ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ምዃን ፡ እንታይ ዓይነት ምትሕብባር ከብርክትሉ ይግባእ???

ዝኾነ ስደተኛ መንእሰይ ፡ ንኩሉ ዓይነት ጸጋታት ናይታ ዑቕባ ዝሓተተላ ሃገር ብቑዕ ተቐማጣይ ኮይኑ ምእንቲ ክነብር እዚ ዝስዕብ ብቕደም ተኸተል ክማሃሮን ከማለኦን ይግባእ ፤ ንኣብነት ፤ኣብ ጀርመን ዝኣተወ እንተኾይኑ ???

  1.  ምፍላጥ ቓንቛ ጀርመን- መሰረት ንህልውናኡ ዘረጋግጽ ፡ ሓሳቡ ንምግላጽ ዘብቀዖ፡
  2. ፈለግ መሰረተ ትምህርቲ ናብ ዝላዓለ ደረጃ ዘብጽሕ ፡
  3. ናይ ሞያ ምልመላ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ ንምንባር  ዘኽእሎ ፡

እዚ ሰለስተ መሰረታዊ ነጥብታት ምስ ዘማልእ ንነብሱ ይናብን ካብ ተጸባዪ ምዃን ይድሕንን ።

ናብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሕ ፡ ንሕናኸ ንነብስና ከም ተወሃሂድና ንነብር ዘሎና ከም ኣብነት እንታይ ክንገብር ንኽእል?/

  • ድልዋት ንምሕጋዝ፤ ኣብ ምትርጓም ምሕጋዝ ምስ ሓኻይም ኣብ ዝግበር ቆጸራታት፡ኣብ ቛንቛ ምምሃር ምትብባዕ፡ ምስ ዕዳጋታት ናይቲ ከተማ ምልላይን ኣብ ምሽማት ምትሕብባር፡ ኣብ ገዛ ኽራይ ምድላይ ምትሕብባር፡ ኣብ ከባቢና ምስ ዝርከቡ ኣሲል-ክበባት ምልላዮም ወዘተ ርኡይ ዝኾነ፡ ምስ ሃለዋቶም ዘሳኒ ሓገዝ ምፍጻም የድሊ ።
  • ምስ መንግስታውያን ድርጅታት ኣብ ዝግበር ቆጸራታት ኣብ ምትርጓም ምትሕብባር። ኣድላይ ምስ ዝኸውን ምስ ጠበቓታት ከም ዝራኸቡ ምግባር።
  • ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ማሕበረት (ስፖርት) ከም ዝሳተፉ ምግባርን ኣድራሻታት ምሃብን፡ ምስ ሓለፍቲ ናይቲ ክለባት ከም ዝላለዩ ምግባርን።
  • ምስ ጎረባብቶም ምሕዝነት ከም ዘጥርዩ ምምዓድ ፡ ወዘተ

እዚ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕሳባት ዘለዎ ፡ ኩሉ ዓይነት ማሕበረዊ ጸገማት ተሸኪሙ ዝተሰደ ስለዝኾነ ብቐዳምነት ኣብ ናይ ምንባር ሕቶኡ ዘርገኦ ምትሕብባር የድልዮ። ንኣብነት ኣብ ከባቢና ትርሓስ ኣማኒኤል ኮነ ኣነ ከምኡውን ካልኦት ናብዚ ዝተጠቕሰ ዕላማ ዘድሃበ ዝተኸተልናዮ መስርሕ ሞራላዊ ምጽንናዕ ፍሬኡ ንዑስ ኣይኮነን። ስለዚ ምጽእ ምስ በለ ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ክሳተፍ ምጽባይን ናብኡ ምድፍፋእን፥ ንሱ መርሕ ግደ ክጻወት ኣለዎ ኢልካ ምምዳርን ብዙሕ ዘድምዕ ኣካይዳ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። በቲ ሓደ ሸንኽ ድማ ፖለቲካዊ ስደተኛ ኣይኮነን፡ ንገንዘብ ኢሉ ዝተሰደ እዩ ዝብል፡ ተጻበኦ ዝፈጥረሉ ኣካል፤ ውላዱ ሓቚፉ እናሓደረ፡ ናብ ደረት ኣልቦ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ንውላዱ ክሰድድ ፍቓደኛ ዘይከውን ከም ዘሎ ምልላዩ ኣገዳሲ እዩ ።

እቲ መሰረታዊ ጸገም ኣብ ዝሕለፈ ካብ 35 ክሳብ 40 ዓመት ዝግመት ንአርትራዊ ስደተኛ ዝሓቁፍን ዝሕለቕን ጥርኑፍ ማሕበር ዘይምህላዉን እዩ ዘሪኤና ።

ኤደማ ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ከዳሎ ከሎ ፡ ዝኮዖ ገንዘባዊ ዓቕሚ ስለዘለዎ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ጻዕርን ተውፋይነትን ኣባላቱ ተኣማሚኑ ዝትግበር ሃገራዊ ውራይ እዩ። ስለዚ ክናኣድን ክምስገንን ዝግበኦ  ኣባል ኤደማ ን ኣባላት ሰደህኤ ኣብ መላእ ኤውሮጳን እዮም ። ኩሉ ተጠቃሚ ናይዚ ፈስቲቫል እዚ፡ ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝደመረ ፡ እዚ ማሕበር እዚ ንዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ቆላሕታ ክትገብርሉ ንእግረ መንገደይ እጽውዕ ፤ነዚ ዘሕልፎ ዘለኹ ጸዋዒት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩሞ። ኣብ ማህደር ልብኹም ኣስፊርኩም ሞራላውን ነገራውን ሓገዝኩም ከተወፍዩ የዘኻኽረኩም።

እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ዘኽእሎ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ  ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ እዩ።ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርሉ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ስለዝውንን : ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ኪኢልና። ኣብ ሃገርና እዚ ስለዝቦኸረ ኢና ውገሐ ጸብሐ ብኽንደይ መሪር ጸገማት ናብ ስደት እንውሕዝ ዘሎና ። 

ስለዚ ብክብ ዝበለ ድምጺ ናብ ከንቲባ ፐተር ፈልድማን ክብ ዝበለ ምስጋና ብስም ማሕበርናን ተሳታፋይ ናይዚ ፈስቲቫልን ነሕልፍ።ምስጋናና ዋላውን ብኣካል ምሳና ኣይሃልዉ ደኣምበር ፡ ብድምጽን ብጠቓዒትን ነሰንዮ።

ኤደማ ፡ ነጻነት ማሕበራዊ ልዝብ ኣብ ሃገሩ ንዝተሓሮሞ ህዝቢ፡ ብጉዳዩ ክዛተ ዕድል ምኽፋትና ከም ዓቢ ህያብ ኢና እንቆጽሮ ። ብሓባር ዝተላዘበ ህዝቢ ናይ ሓባር ራኢ  ሒዙ፡ ንናይ ሓባር ጸላኢኡ ክምክት ይኽእል እዩ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና ፤ኤርትራዊ ስደተኛ  ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ፤ ብጉዳይ ናይ ሓባር ማሕበራዊ ጸገማቱ ብስኒትን ብምክብባርን ኮፍ ኢሉ ክላዘብን ፍታሕ ከናድየሉን መሰረታዊ ሃንቅውታና ስለዝኾነ መልእኽትና ካባኹም ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ክባጻሕ ንጽውዕ ።ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ንኹሉ ዓይነት ጸገማቱን ፍልልያቱን ሸኒኑ ፡ ማሕበራዊ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ንረብሑ ክሰርሕ ግዜ ይጠልቦ ኣሎ ።

ዝተፋላለየ መደባት ተዳልዩ ስለዘሎ ተጠቀምቲ ክትኮኑ እሕብር። ብተውሳኺ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልና ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ዘዳለዎ ሽሻይ ስለ ዘሎ ባዕልኹም ንነብስኹም ክትዕንገሉ የዘኻኽር ። ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፈስቲቫል ይግበረልና ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ ።

ተስፋማርያም ክብራኣብ

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 05.08.2017

Last modified on Tuesday, 08 August 2017 00:22