Print this page

ኣገዳሲ ቁምነገር ዝተንጸባረቐሉ ፈስቲቫል 2017 ፍራንክፈርት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ብዓወት ተዛዚሙ

2017-08-07 19:13:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 4632 times
Rate this item
(0 votes)

ኩሉ ኣባላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ፡ ወከልቲ ዕዱማት ኣሓት ውድባትን ህዝብን ኣብዚ ኣብ 4ን 5ን ነሃሰ ኣብ ፍራንክፈርት ኤርትራ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ተሳቲፎም። ብዘይካዚ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣቦመንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ ናይ ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ኣኼባ ተኻይዱ። ንዲሞክራሲ ካብ ዝሕለቑ ንጡፋት ወ/ሮ ሳልዋ (ኡምሪታል) ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝመጸትን ኣምንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ካብ በርሶሎና ስፐይን ካብ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ጀርመን ፍራንክፈርት ከይተርፍ ነዊሕ ተጓዒዙ ተሳቲፎም።

Festival 2017 2

እዚ ዝስዕብ ናይቲ ምዕሩግ ፈስቲቫል ፍጻመ ጽማቝ  እዩ። (ናይቲ ፍጻመ ምሉእ ሓበሬታን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ መደረታትን  ብኤርትራዊ ቋንቋታትን እንግሊዝን ክስዕብ እዩ)

ፍጻመታት ቀዳማይ መዓልቲ

ዓርቢ 4 ነሃሰ 2017 ደድሕሪ መእተዊ ቃል ኣቶ ብተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር  (ኤዲማ) ቀሪቡ። ስዒቡ ኩሉሎም ኣጋይሽ ኣብ ዝተጋብእሉ፡ መደባት ናይ ቀዳሊ ቀዳመሰንበት እንታይ ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ኣብዚ ዕለት  ሰለስተ ተግባራት ተፈጺሙ።

Festival 2017 3እቲ ናይ መጀመርያ ፍጻመ ናይዚ ዕለት ብምስሊ ዝተሰነየ ኤርትራዊ ናይ ናውቲ ገዛ ኣወጋግና ዘርኢ ብጭረሖታት ዝተስነየ ብቕዓት ኤርትራዊት ኣገደ ንገዛእ ርእሳ ካብ ድርብ ወጽዓ ናጻ ንምውጻእ ዘርኢ  ኢደ-ጥበባዊ ስራሕ ነይሩ።

Festival 2017 4

ናይዚ ዕለት 2ይ ፍጻመ ንግንዛብ ኣገዳስነት ዲሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ዝምልከት፡ ብክልተ ላዕለዎት ካድራት ሰዲህኤ ኣሕዋት ድራር መንታይ ካብ ኔዘርላንድን ጎይተኦም መብራህቱ ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ዝተመርሐ ዓውደ-መጽናዕቲ ነይሩ። መደቦም ኣብቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ሃገር ነርወይ ራፍት ፋውንደሽን ብዝተባህለ ትካል  ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ንምትብባዕ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ እሞ ብኣካል ዝተሳተፍዎ መሰሰረት ገይሩ ዝተሰናደአ እዩ።

Festival 2017 5

እዚ ካብ ተሳተፍቲ ሓሙሽተ ጉጅለታት ዝተሳተፍዎ ኣውደ-መጽናዕቲ፡ ብሓጺር መግለጽን ሓባሪ ምልክታትን ብትግርኛ ዝተሰናደአ እዩ። እቲ ናይዚ ዕለተ-ዓርቢ ካልእ ፍጻመ ከኣ፡ ሓጺር ግና ድማ ሰሓቢ ብወናማት መንእሰያት ዝተመርሐ  ሙዚቓን ሳዕሳዒትን  ነይሩ።

ፍጻመ 2ይ መዓልቲ

ቀዳም እቲ ዝዓበየ ናይ ኣቦመንበር ሰዲህኤ መደረን መልእኽቲ ምሕዝነት ኣሓት ውድባትን ዝቐረበሉ ናይቲ ፈስቲቫል ናይ ዘተ ዕለት ነይሩ። እቶም ቃሎም ምሕዝነት ዘስምዑ ኣቶ ዓምደልዓዚዝ ኣንዋር ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣቶ ኢድሪስ ሑመድ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቂ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡

Festival 2017 6

ኣቶ ሰመረ በያን ካብ ግንባር ደሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ካብ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ኣቶ ካሕሳይ ብርሃነ ካብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣቶ  ገብርሂወት ክፍለ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጥን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ይስሃቅ ካብ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤን እዮም። ኣብዚ ናይ ቀዳም መደብ ጓይላን ሳዕሳዒት’ውን ቀጺሉ።

Festival 2017 7

3ይ መዓልቲ ፈስቲቫል

ዝዓበየ መደብ ናይ ሰንበት ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ዝተሳተፍዎ ብኣቦመንበር ሰልፊ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተመርሐ ብዛዕባ ፈስቲቫል ዝተኻየደ ኣኼባ ነይሩ። እዞም ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ነርወይ፡ ሽወደን፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ኢጣልያ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈ ኣባላት ሰዲህኤ ንእግረመንገዶም ናይ ሓባር ድራርን ዕላልን ኣካይዶም።

Last modified on Monday, 07 August 2017 21:52